下载 PDF
返回故事列表

መቕጻዕቲ 惩罚

作者 Adelheid Marie Bwire

插图 Melany Pietersen

译文 Daniel Berhane Habte

语言 提格雷尼亚语

级别 2级

将整故事念出来 本故事尚未有语音版。


ሓደ መዓልቲ፡ ኣደይ ብዙሕ ፍረታት ኣምጺኣ።

有一天,妈妈买了很多水果。


“መዓስ ኢና ካብዚ ፍረታት ክንበልዕ?” ኢልና ሓቲትናያ። “ነዚ ፍረታት ሎሚ ምሸት ክንበልዖ ኢና” ኢላ መለሰት ኣደይ።

我们都问她:“什么时候可以吃水果?”妈妈说:“等今天晚上再吃。”


ራሂም ሓወይ ህሩፍ እዩ። ንኹሉ እቲ ፍረታት ጐሊሙ ጥዒምዎ። ንዝበዝሐ ካብኡ በሊዕዎ።

我哥哥拉希姆很贪吃,所有的水果都想尝尝。结果他吃了很多。


“ርአዪ ራሂም ዝገበሮ!” ኢሉ ንእሽቶ ሓወይ ጨደረ። ኣነ ድማ “ራሂም ስድን ስሱዕን እዩ፡” ኢለዮ።

弟弟叫着说:“看看拉希姆做了什么!”。我跟着说:“拉希姆很调皮很自私。”


ኣደይ ብራሂም ኣዝያ ሓረቐት።

妈妈对拉希姆很生气。


ንሕና እውን ብራሂም ሓረቕና። ራሂም ግን ዕጥጥ ኣይበሎን።

我们也对拉希姆很生气。可是拉希姆并不感到惭愧。


“ንራሂም ኣይትቐጽዒዮን ዲኺ?” ኢሉ ንእሽቶ ሓወይ ሓተተ።

小弟弟问:“拉希姆不是该罚了吗?”


“ራሂም፡ ሕጅሕጂ ክትጣዓስ ኢኻ፡” ኢላ ኣደይ ኣጠንቂቓቶ።

妈妈警告说:“拉希姆,你很快就会后悔的。”


ራሂም ሕማም ክስምዖ ጀመረ።

不久,拉希姆果然开始感到恶心起来。


“ከብደይ ኣመና የቐንዝወኒ ኣሎ፡” ክብል ራሂም ኣሕሸዅሸዀ።

拉希姆小声说:“我肚子很疼。”


ኣደይ እዚ ከምዘጋጥም ፈሊጣ ኔራ። እቲ ፍረታት እዩ ንራሂም ዝቐጽዖ ዘሎ!

妈妈早料到会发生这样的事情。拉希姆受到了水果的惩罚!


ዳሕራይ፡ ራሂም ይቕረታ ሓቲቱና። “ድሕሪ ሕጂ ኣመና ስሱዕ ኣይክኸውንን እየ፡” ኢሉ ተማባጺዑ። ንሕና ኩልና ድማ ኣሚንናዮ።

后来,拉希姆跟我们道歉说:“以后我再也不会贪吃了。”而我们这次都相信他!


作者: Adelheid Marie Bwire
插图: Melany Pietersen
译文: Daniel Berhane Habte
语言: 提格雷尼亚语
级别: 2级
出处: 原文来自非洲故事书Punishment
共享创意授权条款
本着作系采用共享创意 署名 3.0 未本地化版本授权条款授权。
选项
返回故事列表 下载 PDF