下载 PDF
返回故事列表

ትርሓስ — ኾኸብ ተፃዋቲት እግሪ ኩዕሶ 球星安迪斯瓦

作者 Eden Daniels

插图 Eden Daniels

译文 ኣንገሶም ኣባዲ፣ ጎይትኦም ከበደ

语言 提格雷尼亚语

级别 2级

将整故事念出来 本故事尚未有语音版。


ትርሓስ ደቂ ተባዕትዮ ኩዕሶ እግሪ ክፃወቱ ሪኣ፤ ናብኣቶም ተሓዊሳ ክትፃወት ደልያ። ምስአቶም ተሓዊሳ ክትለማመድ ትክእል እንተኾይና ድማ ነቲ ኣሰልጣኒ ሓቲታቶ።

安迪斯瓦喜欢看男孩子们踢足球,她多么希望自己也能加入他们啊!她跑去问教练,自己能不能跟男孩们一起训练。


እቲ አሰልጣኒ አእዳው አብ ሽምጡ ገይሩ። ”አብዚ ቤት ትምህርቲ ፀወታ እግሪ ኩዕሶ ንደቂ ተባዕትዮ ጥራሕ እዩ ክፃወቱ ተፈቂዱ” ኢሉ መለሰላ።

教练两手叉着腰,摇了摇头说:“在这个学校,只有男孩们能踢足球。”


እቶም ደቂ ተባዕትዮ ንዓአ መርበብ ኩዕሶ ኸይዳ ንክትፃወት ነጊሮማ። ከምዚ እውን ኢሎም መርበብ ኩዕሶ ንደቂ ኣንስትዮ እግሪ ኩዕሶ ድማ ንደቂ ተባዕትዮ እዩ ምስበልዋ ትርሓስ ሓሪቃ።

男孩们让安迪斯瓦去玩投球。他们觉得,女孩们应该玩儿投球,足球是男孩们的运动。安迪斯瓦很沮丧。


ኣብቲ ካልአይ መዓንቲ፤ እቲ ቤት ትምህርቲ ከቢድ ውድድር ፀወታ እግሪ ኩዕሶ ነይርዎ። እቲ አሰልጣኒ አብዚ ውድድር ብጣዕሚ እዩ ሓዚኑ ነይሩ ምክንያቱ ድማ እቲ ብሉፅ ተፃወቲኡ ብምሕማሙ።

第二天,学校里要举行一场盛大的足球比赛。教练有点儿担心,因为队里最棒的球员生病了,没法上场。


ትርሓስ ናብቲ አሰልጣኒ ብፍጥነት ከይዳ ንኽትፃወት ንክፈቅደላ ለሚናቶ። እቲ አሰልጣኒ እንታይ ከም ዝውስን ርግፀኛ ኣይነበረን። ደሓር ግን ትርሓስ ናብቲ ቡድን ተሓዊሳ ንኽትፃወት ፈቂዱላ።

安迪斯瓦跑到教练那里,求他让自己替补上场。教练犹豫不决,最后他决定让安迪斯瓦试一试。


እቲ ፀወታ ከቢድ ብምንባሩ ክሳብ ጊዜ ዕረፍቲ ምንም ጎል (ሽቶ) ክምዝገብ ኣይክአለን ነይሩ።

比赛很激烈,半场结束后,两队都没有进球。


ካብ ዕረፍቲ መልሲ ሓደ ተፃዋቲ እታ ኩዕሶ ናብ ትርሓስ ኣሕሊፍ ሂብዋ። ንሳ ብፍጥትን ናብ ጎል ገፅ ብምሕላፍ ብሓይሊ ብምውቃዕ ሽቶ አመዝጊባ።

比赛的下半场,一个男孩把球传给安迪斯瓦,安迪斯瓦飞快地朝球门跑去,用力一踢,球进了!


እቶም ተመልከቲ ወሰን ዘይብሉ ሓጎስ ተሰመዖም፤ ካብዚ ዕለት ጀሚሩ አብቲ ቤት ትምህርቲ ንደቂ ኣንስትዮ ፀወታ እግሪ ኩዕሶ ተፈቂዱ።

人群沸腾了!从那天开始,女孩们也可以在学校踢足球了。


作者: Eden Daniels
插图: Eden Daniels
译文: ኣንገሶም ኣባዲ፣ ጎይትኦም ከበደ
语言: 提格雷尼亚语
级别: 2级
出处: 原文来自非洲故事书Andiswa Soccer Star
共享创意授权条款
本着作系采用共享创意 署名-非商业性 3.0 未本地化版本授权条款授权。
选项
返回故事列表 下载 PDF