下载 PDF
返回故事列表

ብስምዒ ዝተሰርሑ ቆልዑት 蜡做的孩子

作者 Southern African Folktale

插图 Wiehan de Jager

译文 Daniel Berhane Habte

语言 提格雷尼亚语

级别 2级

将整故事念出来 本故事尚未有语音版。


ሓደ እዋን፡ ሓንቲ ሕጕስቲ ስድራ ነበረት።

很久很久以前,有一家人快乐地生活在一起。


ንሓድሕዶም ብፍጹም ተባኢሶም ኣይፈልጡን። ኣብ ቤት ኮነ ኣብ በረኻ ንወለዶም ይሕግዝዎም ነበሩ።

孩子们从来不打架,还帮助爸爸妈妈做家务,干农活。


ጥቓ ሓዊ ክቐርቡ ግን ኣይፍቀደሎምን ነበረ።

但是他们不能靠近火焰。


ኵሉ ስርሓቶም ኣብ ግዜ ምሸት የካይድዎ ነበሩ። ምኽንያቱ ብስምዒ እዮም ተሰሪሖም።

没办法,他们只能在晚上工作,因为他们都是用蜡做的!


ሓደ ካብቶም ኣወዳት ግን ብግዜ ብርሃን ጸሓይ ክወጽእ ባሃገ።

但是其中一个男孩非常想出门,他想走到太阳底下看看。


ሓደ መዓልቲ ባህጉ ምሒር ሓየሎ። ኣሕዋቱ ኣጠንቀቕዎ…

有一天,这种渴望太强烈了。虽然他的兄弟们警告过他……


ግን እንታይ ይዓብስ! በታ መራር ጸሓይ መኺኹ።

但是太晚了!他在太阳底下融化了。


እቶም ብስምዒ ዝተሰርሑ ቆልዑት ሓዎም ክመክኽ ከሎ ርእዮም ኣመና ጐሃዩ።

其他蜡做的孩子看到他们的兄弟融化消失了,非常伤心。


ሓደ መደብ ግን ገበሩ። ነቲ ዝመኸኸ ስምዒ ቀሪጾሞ ሓደ ዑፍ ሰርሑ።

但是他们想出了一个好主意:他们把熔化的蜡块捏成了一只鸟。


ነቲ ዝቐረጽዎ ዑፍ ሓዎም ናብ’ቲ በሪኽ ጎቦ ወሰድዎ።

他们把变成鸟的兄弟带到了一座高山上。


እታ ጸሓይ ምስበረቐት ድማ፡ ናብ’ቲ ናይ ወጋሕታ ብርሃን እናዘመረ ነፊሩ ከደ።

太阳升起来了,他迎着晨光唱着歌,飞走了。


作者: Southern African Folktale
插图: Wiehan de Jager
译文: Daniel Berhane Habte
语言: 提格雷尼亚语
级别: 2级
出处: 原文来自非洲故事书Children of wax
共享创意授权条款
本着作系采用共享创意 署名 3.0 未本地化版本授权条款授权。
选项
返回故事列表 下载 PDF