下载 PDF
返回故事列表

ንጕማረታት ጸጕሪ ኣልቦ ዝገበሮም ምኽንያት 为什么河马没有毛发

作者 Basilio Gimo, David Ker

插图 Carol Liddiment

译文 Daniel Berhane Habte

语言 提格雷尼亚语

级别 2级

将整故事念出来 本故事尚未有语音版。


ሓደ መዓልቲ፡ ማንቲለ በቲ ገምገም ፈለግ ይዛውን ነበረ።

有一天,兔子在河边散步。


ጕማረ’ውን ኣብኡ ነበረት፡ ትዛወርን ገለ ልሙዕ ሳዕሪ ትበልዕን።

河马也在那儿,一边闲逛,一边找些美味的野草来吃。


ጕማረ ነቲ ማንቲለ ኣብኡ ከምዝነበረ ኣይርኣየቶን’ሞ ብወዝቢ ኣብ እግሪ ማንቲለ ረገጸት። ማንቲለ ነታ ጕማረ እናወጨጨ፡ “ኣቲ ጕማረ! ኣብ እግረይ ረጊጽኪ ከምዘለኺ ክትርእዪ ኣይትኽእልን?” ክብላ ጀመረ።

河马没有看见兔子,她不小心踩到了兔子的脚。兔子尖叫了一声,朝着河马大喊:“该死的河马!没看到你踩到我的脚了吗?”


ጕማረ ንማንቲለ ከምዚ ኢላ ይቕሬታ ሓተተቶ፡ “ኣይትሓዘለይ። ኣይርኣኹኻን። በጃኻ ይቕሬታ ግበረለይ!” ማንቲለ ግና ክሰምዕ ኣይከኣለን ንጕማረ ድማ፡ “ደይመደይ ኢልኪ ዝገበርክዮ እዩ! ሓደ መዓልቲ፡ ክትርእዪ ኢኺ! ዕዳኺ ክትፍደዪ ኢኺ!” ክብል ኣንጸርጸረላ።

河马赶紧给兔子道歉:“真不好意思,我的朋友!我没看见你!请原谅我!”兔子哪里会听河马的解释,他气极了,朝着河马大吼:“你肯定是故意的!总有一天你会受到惩罚!”


ማንቲለ ንሓዊ ክረኽቦ ከደ፡ ከምዚ ድማ በሎ፡ “ኪድ’ሞ፡ ጕማረ ሳዕሪ ኽትበልዕ ካብቲ ማይ ምስወጸት ኣንድዳ። ረጊጻትኒ እያ!” ሓዊ ድማ፡ “ጸገም የለን፡ ማንቲለ ዓርከይ። ልክዕ ከም ዝሓተትካኒ ክገብር እየ።” ኢሉ መለሰሉ።

兔子找到了火,他对火说:“趁河马从水里出来吃草的时候,朝她放一把火。她竟敢踩我的脚。”火回答说:“没问题,我的朋友!我这就按你说的做。”


ዳሕራይ፡ ጕማረ ካብቲ ፈለግ ርሒቓ ሳዕሪ እናበልዐት ከላ፡ “ሸው!” ሓዊ ተባሪዑ ሃልሃል በለ። እቲ ሃልሃልታ ነቲ ናይ ጕማረ ጸጕሪ ከንድዶ ጀመረ።

过了一会儿,河马正在离河岸很远的地方吃草。呼的一声,火突然烧起来了,烧到了河马的身上。


ጕማረ እናኣእወየት ናብቲ ማይ ክትጐዪ ጀመረት። ኩሉ ጸጕራ በቲ ሓዊ ሓሪሩ እዩ። ጕማረ ብኽያታ ቀጸለት፡ “ጸጕረይ ብሓዊ ነዲዱ! ኩሉ ጸጕረይ ረጊፉ! እዚ ጽቡቕ ጸጕረይ!”

河马尖叫着,赶紧跑向河边,但是她的毛发已经全部烧毁了。河马伤心地说:“我的毛都被火烧掉了!你烧了我的毛!它们全都不见了!我美丽的毛!”


ናይ ጕማሪ ጸጕራ ብምንዳዱ ማንቲለ ተሓጐሰ። ክሳብ ሕጂ ድማ፡ ካብ ሓዊ ብምፍራሕ፡ ጕማረ ብፍጹም ካብ ማይ ኣርሒቓ ኣይትኸይድን እያ።

兔子终于报了仇,他高兴坏了;直到现在,河马也不敢离河岸太远,因为她害怕又要被火烧。


作者: Basilio Gimo, David Ker
插图: Carol Liddiment
译文: Daniel Berhane Habte
语言: 提格雷尼亚语
级别: 2级
出处: 原文来自非洲故事书Why hippos have no hair
共享创意授权条款
本着作系采用共享创意 署名 3.0 未本地化版本授权条款授权。
选项
返回故事列表 下载 PDF