下载 PDF
返回故事列表

ውሳነ 决定

作者 Ursula Nafula

插图 Vusi Malindi

译文 Daniel Berhane Habte

语言 提格雷尼亚语

级别 2级

将整故事念出来 本故事尚未有语音版。


ኣብ ዓድና ብዙሕ ጸገማት ኔሩ። ማይ ካብ ሓንቲ ቡምባ ክንቀድሕ ነዊሕ መስርዕ ንገብር ኔርና።

我的村庄面临很多问题。村里只有一个水龙头,我们每天都要排很长的队伍去接水。


ብኻልኦት ዝተወፈየ መግቢ ንጽበይ ኔርና።

我们等着别人接济食物给我们吃。


ብምኽንያት ሰረቕቲ ኣባይትና ብኣግኡ ንስግጦ።

每天晚上,我们因为害怕有小偷,所以都早早地锁上了门。


ብዙሓት ቆልዑ ካብ ትምህርቲ በዂሮም።

中途辍学的孩子也不少。


ንኣሽቱ ኣዋልድ ኣብ ካልእ ዓዲ ከደምቲ ኮይነን ሰርሓ።

年轻的女孩被迫到别的村庄去做女佣。


ንኣሽቱ ኣወዳት ኣብ’ቲ ዓዲ ናብዝን ናብትን ዘወን ክብሉ ይውዕሉ ነበሩ ገሊኦም ድማ ኣብ ናይ ካልኦት ሰባት ሕርሻ ይሰርሑ ነበሩ።

年轻的男孩不是成天在村子里游荡,就是到别人的农场里打工。


ንፋስ ክነፍስ ከሎ፡ ወረቓቕቲ ጓሓፍ ኣብ ኣግራብን ሓጹራትን ይንጥልጠል።

起风的时候,废纸到处乱飞,挂在树梢和篱笆上。


ሰባት ብሸለልትነት ብዝተደርበዩ ስብርባር ጠራሙዝ ይጥብሑ ነበሩ።

碎玻璃扔得到处都是,很多人都被碎玻璃划伤了。


ሽዑ ሓደ መዓልቲ፡ እታ ቡምባ ነቒጻ መትሓዚ ማይ ፊስቶታትና ጥራዩ ተረፈ።

终于有一天,水龙头干涸了,人们接不到水了。


ኣቦይ ካብ ገዛ ናብ ገዛ እናኸደ ኵሎም ሰባት ኣብ ናይ ዓዲ ኣኼባ ንኽሳተፉ ሓተቶም።

我的爸爸一家一家地劝说,召集村里的居民们开会。


ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ሓደ ዓቢ ኦም ተኣኪቡ ክሰምዕ ጀመረ።

人们聚到一棵大树下,准备开会。


ኣቦይ ሓፍ ኢሉ፡ “ጸገማትና ንምፍታሕ ብሓባር ክንሰርሕ ኣለና።” በለ።

我爸爸站起来,说:“我们必须团结起来,一起解决我们的问题。”


ሸሞንተ ዓመት ዝዕድሚኡ ጁማ፡ ኣብ ጕንዲ ናይ’ቲ ገረብ ኮፍ ኢሉ፡ “ኣነ ኣብ ምጽራይ ክሕግዝ እኽእል እየ።” ኢሉ ጨደረ።

八岁的珠玛坐在树干上,大声说:“我可以帮忙清理村庄。”


ሓንቲ ሰበይቲ፡ “ኣትን ኣንስቲ ንዕነ ሓቢርና እኽሊ ነብቍል።” በለት።

一个女人站起来说:“我可以找一些妇女,一起种庄稼。”


ካልእ ሰብኣይ ሓፍ ኢሉ፡ “ሰብኡት ዒላ ኽንኵዕት ኢና።” በለ።

又有一个男人站起来说:“男人们可以帮着打井。”


ኵልና ብሓደ ድምጺ፡ “ህይወትና ኽንቅይር ኣለና።” ክንብል ጨደርና። ካብ’ታ መዓልቲ ኣትሒዝና ጸገማትና ንምፍታሕ ኵልና ብሓባር ሰራሕና።

我们异口同声地说:“我们必须改变我们的生活。”从那天开始,大伙儿都齐心协力,解决问题。


作者: Ursula Nafula
插图: Vusi Malindi
译文: Daniel Berhane Habte
语言: 提格雷尼亚语
级别: 2级
出处: 原文来自非洲故事书Decision
共享创意授权条款
本着作系采用共享创意 署名 4.0 未本地化版本授权条款授权。
选项
返回故事列表 下载 PDF