تحميل بصيغة PDF
العودة لقائمة القصص

ናይ ሳኪማ መዝሙር أغنية سكيما

كُتِب بواسطة Ursula Nafula

رسمة بواسطة Peris Wachuka

بترجمة Daniel Berhane Habte

لغة التغرينية

مستوى المستوى 3

سرد للقصة كاملة الصوت لهذه القصة غير متوفر.


ሳኪማ ምስ ወለዱን ኣርባዕተ ዓመት ዝዕድሚኣ ሓፍቱን ይነብር ነበረ። ኣብ መሬት ናይ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ይነብሩ ነበሩ። እታ ብሳዕሪ ዝተኸፍከፈት ኣጕዶኦም ኣብ መወዳእታ ናይ መስርዕ ኣግራብ እያ ተደኵና።

كان سَكِيمَا يعيش مع والديه وأخته ذات الأربع سنوات في ضيعة يملكها رجل ثري. وكان كوخهم المبني من القش، في نهاية صف من الأشجار.


ሳኪማ ወዲ ሰለስተ ዓመት እንከሎ፡ ሓሚሙ ብርሃን ኣዒንቱ ሰኣነ። ሳኪማ ውሕሉል ወዲ እዩ ዝነበረ።

عندما كان عمر سكيما ثلاث سنوات، مرض وفقد بصره، لكنه كان صبياً موهوباً.


ሳኪማ ካልኦት ደቂ ሽዱሽተ ዓመት ቈልዑ ክገብርዎ ዘይክእሉ ነገራት ይገብር ነበረ። ንኣብነት፡ ምስ ዓበይቲ ደቂ ዓዱ ኮፍ ኢሉ ብዛዕባ ኣገደስቲ ጕዳያት ክመያየጥ ይኽእል ነበረ።

فعل سكيما أشياء عديدة لا يستطيع صبيان في عمر الست سنوات أن يقوموا بها. كان مثلا يجالس كبار القوم في قريته ويناقش معهم قضايا هامة.


ወለዲ ናይ ሳኪማ ኣብ ገዛ ናይቲ ሃብታም ሰብኣይ ይሰርሑ ነበሩ። ጋሕጋሕ ንግሆ ካብ ገዝኦም ይወፍሩ ምሸት ምስጸልመተ ድማ ይምለሱ ነበሩ። ሳኪማ ምስ ንእሽቶ ሓፍቱ ኣብ ቤት ይተርፍ ነበረ።

كان والدا سكيما يعملان في منزل الرجل الثري وكانا يغادران كوخهما باكراً في الصباح ويرجعان في وقت متأخر من المساء. وكان سكيما يمكث في المنزل مع أخته.


ሳኪማ መዛሙር ምዝማር ይፈትው ነበረ። ሓደ መዓልቲ ኣዲኡ፡ “ኣበይ ኢኻ ትመሃሮ ዘለኻ እዚ መዛሙር፡ ሳኪማ” ክትብል ሓተተቶ።

كان سكيما مولعاً بالغناء، فسألته أمه يوما: “من أين حفظت هذه الأغاني يا سكيما؟”


ሳኪማ ከምዚ ክብል መለሰ፡ “ሱቕ ኢሉ እዩ ዝመጻኒ፡ ኣደይ። ኣብ ርእሰይ እሰምዖ ሽዑ እዝምሮ።”

أجاب سكيما: “إنها تأتي هكذا يا أمي، أسمعها في رأسي فأغنيها”.


ሳኪማ ንንእሽቶ ሓፍቱ ክደርፈላ ይፈትው ነበረ፡ ብፍላይ፡ ጥሜት እንተተሰሚዕዋ። ነታ ዝፈትዋ መዝሙር ክዝምራ ከሎ ሓፍቱ ትሰምዖ ነበረት። በቲ ዘህድእ ጣዕመ ዜማ ትቈጻጸይ።

كان سكيما يحب أن يغني لأخته، خاصة إذا ما شعرت بالجوع. فكانت تصغي إلى أغنيته المفضلة وتتمايل مع اللحن المهدئ اللطيف.


“ደጊምካ ደጋጊምካ ክትዝምራ ትኽእል’ዶ፡ ሳኪማ” ብምባል ሓፍቱ ትልምኖ። ሳኪማ ሕራይ ኢሉ ደጋጊሙ ይዝምረላ።

وكانت أخت سكيما تتوسل إليه: “هلا أعدت الغناء من جديد، يا سكيما؟”. وكان سكيما يلبي طلب أخته فيعيد الغناء مرات.


ሓደ መዓልቲ ወለዱ ናብ ገዛ ምስተመልሱ፡ ዝን ኢሎም ነበሩ። ሳኪማ ገለ ጸገም ከምዝነበረ ተረደአ።

وفي إحدى الأمسيات، رجع والدا سكيما إلى المنزل ولزما الصمت على غير العادة. عرف سكيما أن هناك شيئاً ما يقلقهما.


“እንታይ እዩ እቲ ጸገም፡ ኣደይ፡ ኣቦይ?” ክብል ሳኪማ ሓተተ። ሽዑ ወዲ እቲ ሃብታም ሰብኣይ ከምዝጠፈአ ነገርዎ። እቲ ሰብኣይ ሓዚኑን ብጽምዋ ተበሊዑን ነበረ።

سأل سكيما: “أمي، أبي، ما خطبكما؟” أخبره والداه أن ابن الرجل الثري قد اختفى وأن والده يشعر بالوحدة وبالحزن الشديد.


“ክዝምረሉ እኽእል እየ። ዳግም ክሕጐስ ይኽእል ይኸውን እዩ።” ክብል ሳኪማ ንወለዱ ነገሮም። ወለዱ ግን ከበር ኣይሃብዎን። “ንሱ ኣዝዩ ሃብታም እዩ። ንስኻ ድማ ሓደ ዕዉር ቈልዓ ኢኻ። መዝሙርካስ ክሕግዞ ይኽእል’ዩ ኢልካ ትሓስብ?”

قال سكيما لوالديه: “أنا أستطيع أن أغني له… قد يفرح من جديد”. لكن والداه نهراه: “إنه غني جداً، وأنت لا تعدو أن تكون صبياً أعمى. هل تظن أن أغنيتك سوف تساعده؟”.


እንተዀነ ግና፡ ሳኪማ ተስፋ ኣይቈረጸን። ንእሽቶ ሓብቱ ድማ ደገፈቶ። ከምዚ ድማ በለት፡ “ናይ ሳኪማ መዛሙር ክጠምይ ከለኹ የተሃዳድኡኒ እዮም። ነቲ ሃብታም ሰብኣይ’ውን ከጸናንዕዎ ይኽእሉ እዮም።”

لكن سكيما لم ييأس، وكانت شقيقه الصغيرة تدعمه قائلة: “إن أغاني سكيما تريحني عندما أكون جائعة. وهي سوف تريح الرجل الثري أيضا”.


ንጽባሒቱ፡ ሳኪማ ናብቲ እንዳ ሃብታም ሰብኣይ ክትመርሖ ነታ ንእሽቶ ሓፍቱ ሓተታ።

وفي اليوم الموالي، طلب سكيما من شقيقته أن تقوده إلى منزل الرجل الثري.


ኣብ ትሕቲ ሓደ ዓቢ መስኮት ደው ኢሉ እታ ዝፈትዋ መዝሙር ክዝምር ጀመረ። ቀስ እናበለ እቲ ሓለቃ ናይቲ ሃብታም ሰብኣይ በቲ ዓቢ መስኮት ክቕልቀል ጀመረ።

وقف سكيما تحت نافذة كبيرة وبدأ ينشد أغنيته المفضلة. وشيئا فشيئا، بدأ الرجل الثري يطل برأسه من خلال النافذة الكبيرة.


እቶም ሰራሕተኛታት ካብቲ ዝሰርሕዎ ዝነበሩ ኣቋረጹ። ናይ ሳኪማ ምኡዝ መዝሙር ክሰምዑ ጀመሩ። ሓደ ሰብኣይ ግን ከምዚ በለ “ንጐይታና ከጸናንዖ ዝኽኣለ ዋላሓደ የለን። እዚ ዕዉር ቈልዓ’ኸ ከጸናንዖ ድዩ ዝሓስብ ዘሎ?”

توقف العمال عن العمل وأخذوا يستمعون لأغنية سكيما الرائعة. لكن أحدهم قال: “لا أحد استطاع مواساة صاحب الضيعة إلى حد الآن. فهل يعتقد هذا الصبي الأعمى أنه قادر على مواساته؟”.


ሳኪማ መዝምሩ ምዝማር ወዲኡ ክምለስ ተበገሰ። እቲ ሃብታም ሰብኣይ ግና እናጐየየ ወጺኡ፡ “በጃኻ እንደገና ዘምር።” በሎ።

أنهى سكيما الغناء واستدار مغادراً، لكن الرجل الثري خرج مسرعا وقال مخاطبا سكيما: “أرجوك، غنِّ لي من جديد”.


ልክዕ ኣብታ ግዜ’ቲኣ ክልተ ሰብኡት ኣብ ቃሬዛ ሓደ ሰብ ተሰኪሞም መጹ። ወዲ እቲ ሃብታም ሰብኣይ ተቐጥቂጡ ኣብ ጸግዒ ጽርግያ ተደርብዩ ረኺቦሞ ነበሩ።

وفي تلك اللحظة بالذات، أقبل رجلان يحملان شخصا على محفة. إنه ابن الرجل الثري. لقد وجداه ملقا على حافة الطريق بعد أن أُشْبِعَ ضرباً.


እቲ ሃብታም ሰብኣይ ንውዱ ዳግም ምርኣዩ ኣዝዩ ተሓጐሰ። ስለዘጸናንዖ ንሳኪማ ሸለሞ። ኣዒንቲ ሳኪማ መታን ዳግም ክርእያ ድማ ንወዱን ንሳኪማን ናብ ሕክምና ወሰዶም።

فرح الرجل الثري كثيراً لرؤية ابنه من جديد وكافأ سكيما لمواساته له، فأخذه مع ابنه إلى المستشفى وقرر أن يساعده على استرجاع بصره.


كُتِب بواسطة: Ursula Nafula
رسمة بواسطة: Peris Wachuka
بترجمة: Daniel Berhane Habte
لغة: التغرينية
مستوى: المستوى 3
المصدر: Sakima's song از القصص الأفريقية القصيرة
رخصة المشاع الإبداعي
تحت مجوز المشاع الإبداعي نَسب المُصنَّف 4.0 دولي کریتز کامنز به نشر رسید.
خيارات
العودة لقائمة القصص تحميل بصيغة PDF