تحميل بصيغة PDF
العودة لقائمة القصص

ኣድጊ ዀይኑ ዝተወልደ ቈልዓ صغير الحمار

كُتِب بواسطة Lindiwe Matshikiza

رسمة بواسطة Meghan Judge

بترجمة Daniel Berhane Habte

لغة التغرينية

مستوى المستوى 3

سرد للقصة كاملة الصوت لهذه القصة غير متوفر.


ፈለማ ሓንቲ ንእሽቶ ቈልዓ እያ ነቲ ምስጢራዊ ቅርጺ ብርሑቕ ዝርኣየት።

كانت الفتاة الصغيرة هي أول من رأى الشبح الغامض قادماً من بعيد.


እቲ ቅርጺ እናቐረበ ምስመጸ፡ ሓንቲ ብጽሕቲ ወርሒ ነፍሰ-ጾር ኣደ ከምዝዀነት ርኣየት።

وباقتراب الشكل الغامض منها، تبينت الفتاة بأنه شبح امرأة حامل.


እታ ሓፍር ግን ድማ ቈራጽ ዝኾነት ንእሽቶ ቈልዓ ናብታ ኣደ ቀረበት፡ ከምዚ ድማ በለት። “እናተኻናኸ’ና ምሳና ክንሕዛ ኣለና፡” እቶም ምስኣ ዝነበሩ ሰባት ድማ ከምዚ ክብሉ ወሰኑ። “ንዓኣን ንውላዳን ምሳና ክንዕቅቦም ኢና።”

تقدمت الفتاة نحو المرأة واقتربت منها، ببعض الخجل لكن بكل شجاعة. قال أهل الفتاة:” علينا أن نحتفظ بهذه المرأة بيننا. سوف نقوم بحمايتها هي وصغيرها”.


እታ’ደ ሕርሲ ተታሕዘት። “ድፍኢ!” “ኮቦርታ ኣምጹኡ!” “ማይ!” “ድፍኢኢኢኢኢኢኢኢ!!!”

وبعد مدة وجيزة حان موعد ولادة الصغير. قالت نساء القرية: “هيا ادفعي … هات الغطاء … هات الماء … ادفعيييييييي …”.


ነቲ ህጻን ምስርኣይዎ ግና፡ ብስንባደ ኵላቶም ንድሕሪት ዘለሉ። “ኣድጊ?!”

لكن، وعندما رأت النسوة المولود قفزن إلى الوراء من هول الصدمة “حمار!”


ኵሎም ክካትዑ ጀመሩ። ገሊኣቶም፡ “ኣደን ውላዳን ክንዕቅቦም ኢና’ዶ ‘ይበልናን፡ ከምኡ ድማ ኢና እንገብር።” በሉ። ካልኦት ድማ፡ “ግና ሕማቕ ዕድል ከምጽኡልና እዮም” በሉ።

بدأت النسوة يتجادلن حول المولود الجديد. البعض قلن بأنهن سوف يحتفظن بالمولود وأمه لأنهن وعدنها بذلك، بينما تخوف البعض الأخر من أنهما قد يكونا نذير شؤم على القرية.


ስለዚ እታ’ደ ዳግም ንብሕታ ተረፈት። ነዚ ስግንጢር ዝዀነ ቈልዓ እንታይ ከምእትገብሮ ኣስደመማ። ብዛዕባ ገዛእ ርእሳ እንታይ ከምትገብር መስተንክር ኰና።

وهكذا وجدت المرأة نفسها وحيدة من جديد، تسأل نفسها في حيرة عما يمكن أن تفعله بهذا الطفل الأخرق وبنفسها.


ኣብ መወዳእታ ግና እቲ ቈልዓ ወዳ ምዃኑ ንሳ ድማ ኣዲኡ ምዃና ክትቅበሎ ኔርዋ።

وانتهى بها التفكير إلى قبول الأمر، فهذا الحمار ابنها وهي الآن أمه.


ሕጂ፡ እቲ ቈልዓ ከምታ ዝነበራ፡ ንእሽተይ ግዝፉ ኔሩ እንተዝኸውን፡ ደለ ምዀነ። እቲ ኣድጊ ግና እናዓበየ እናዓበየ ኣብ ሕቘ እታ’ደ ክሕዘል ክሳብ ዘይክእል ኰነ። ብተወሳኺ፡ ዝፈተነ እንተፈተነ’ውን ከም ናይ ሰብ ጠባይ ክህልዎ ኣይከኣለን። ኣዲኡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ደኸመትን ተባሳጨወትን። ሓደ ሓደ ግዜ እንስሳታት ጥራይ ክሰርሕዎ ዝግበኦም ስራሕ ተስርሖ ነበረት።

ولو أن الجحش حافظ على حجمه الصغير لاختلف الأمر. لكن الجحش بدأ يكبر ويكبر حتى لم يعد بإمكان الأم حمله على ظهرها. وكان غير قادر على أن يسلك سلوك الآدميين مهما فعل ومهما حاول ذلك. أحست الأم بالتعب والإحباط، وكانت تكلفه أحيانا بأعمال يقوم بها الحيوانات.


ኣድጊ ድንግርግር በሎ ቍጥዑኡ’ውን ዛየደ። እዚ ክገብር ኣይክእል እቲ ክገብር ኣይክእል። ከምዚ ክኸውን ኣይክእል ከምቲ ክኸውን ኣይክእል። ኣዝዩ ሓሪቑ፡ ክሳብ ሓደ መዓልቲ፡ ነ’ዲኡ ረጊሑ ናብ ባይታ ዘውድቓ ኰነ።

نما بداخل الحمار شعور بالغضب والارتباك. إذ هو لا يعرف ما يفعله ولا من يكون ولا كيف يكون. وفي يوم من الأيام، بلغ الغضب بالحمار منتهاه لدرجة انه ركل أمَّه وأوقعها أرضا.


ኣድጊ ውርደት ተሰምዖ። ብዘለዎ ፍጥነትን ክሳብ ክበጽሖ ዝኽእል ርሕቀት ክሃድም ጀመረ።

شعر الحمار بعدها بالخجل الشديد لما بدر منه في حق أمه وانبرى هارباً بعيداً.


ጕያኡ ኣብ ዘቋረጸሉ ግዜ፡ መሬት መስዩ ነበረ፡ እቲ ኣድጊ ድማ ጠፍአ። ኣብቲ ጸልማት “ሂሃ ሂሃ?” ኢሉ ሃለለ። “ሂሃ ሂሃ?” ዝብል መቓልሕ ተመልሶ። በይኑ እዩ ኔሩ። ከምዛ ኵዕሶ ዕዅልል ኢሉ ኣብ ዓሚቝን ርቡሽን ድቃስ ኣተወ።

ولما توقف عن الجري، كان الظلام قد أرخى سدوله على المكان فإذا بالحمار يضيع طريقه وإذا به يهمس للظلام: “هييه … هاو؟” ويردد رجع الصدى: “هييه … هاو؟”. وجد الحمار نفسه وحيدا فتكوم على نفسه وخلد إلى نوم عميق مضطرب.


ኣድጊ ምስ ተበራበረ ሓደ ዓቢ ባዕዳዊ ሰብኣይ ኣብ ልዕሊኡ ደው ኢሉ ክጥምቶ ጸንሐ። ኣብ ኣዒንቲ ናይቲ ዓቢ ሰብኣይ ምስጠመተ ብልጭልጭታ ናይ ተስፋ ክስምዖ ጀመረ።

وعندما استفاق من نومه، وجد شيخاً غريباً واقفاً عند رأسه محدقاً فيه. نظر الحمار في عيني الشيخ وبدأ يشعر ببصيص من الأمل.


ኣድጊ ምስቲ ዓቢ ሰብኣይ ክቕመጥ ከደ፡ ዝተፈላለዩ ሜላታት ናይ ምንባር ድማ ካብኡ ተምሃረ። ኣድጊ ሰምዐን ተምሃረን፡ እቲ ዓቢ ሰብኣይ’ውን ከምኡ። ንሓድሕዶም ተሓጋገዙ፡ ብሓባር ድማ ሰሓቑ።

انتقل الحمار للعيش مع الشيخ، فعلمه أساليب عديدة للعيش. استمع الاثنان إلى بعضهما وتعلما الكثير من بعضهما وتعاونا وضحكا كثيرا معا.


ሓደ መዓልቲ፡ እቲ ዓቢ ሰብኣይ ንኣድጊ ናብ ሓደ ጫፍ ናይ ጎቦ ተሰኪምዎ ክድይብ ሓተቶ።

وفي صباح أحد الأيام، طلب الشيخ من الحمار أن يحمله إلى قمة الجبل.


ኣብ ላዕሊ ኣብ መንጎ’ቲ ደበና ድቃስ ወሰዶም። ኣድጊ ኣዲኡ ከምዝሓመመትን ትጽውዖ ከምዘላን ሓለመ። ምስተበራበረ ድማ…

وهناك بين السحب، خلد الاثنان إلى النوم. حلم الحمار بأن أمه مريضة وبأنها تناديه. وعندما استفاق من نومه،


… እቲ ደበና፡ ከምኡ ድማ ዓርኩ፡ እቲ ዓቢ ሰብኣይ ድሮ ተሰዊሮም ነበሩ።

وجد الغيوم قد اختفت، وكذا صديقه الشيخ.


ኣድጊ ኣብ መወዳእታ እንታይ ክገብር ከምዘለዎ ፈለጠ።

عندها، عرف الحمار ما يجب عليه فعله.


ኣድጊ ነ’ዲኡ፡ ንበይና ዀይና በቲ ዝጠፍኣ ቆልዓ ክትሓዝን ረኸባ። ንሓድሕዶም ንነዊሕ እዋን ተጠማመቱ። ሽዑ ንሓድሕዶም ኣጥቢቖም ተሓቛቘፉ።

ولدى رجوعه إلى البيت وجد أمه وحيدة ترثي ابنها المفقود. حدق الاثنان في بعضهما لفترة طويلة ثم عانق كل منهما الآخر عناقا حارا.


እቲ ኣድጊ ዀይኑ ዝተወልደ ቈልዓን ኣዲኡን ወትሩ ብሓባር ተቐመጡ፡ ከሳንዮም ዝኽእል ብዙሕ ሜላታት’ውን ረኸቡ። ቀስ ብቐስ፡ ኣብ ዙርያኦም፡ ካልኦት ስድራቤታት ክሰፍሩ ጀመሩ።

كبر الحمار وأمه معاً ووجدا لنفسيهما سبلاً عديدة للتعايش في سلام جنباً إلى جنب. وشيئاً فشيئاً، بدأت عائلات أخرى تستقر حول الحمار وأمه.


كُتِب بواسطة: Lindiwe Matshikiza
رسمة بواسطة: Meghan Judge
بترجمة: Daniel Berhane Habte
لغة: التغرينية
مستوى: المستوى 3
المصدر: Donkey Child از القصص الأفريقية القصيرة
رخصة المشاع الإبداعي
تحت مجوز المشاع الإبداعي نَسب المُصنَّف 4.0 دولي کریتز کامنز به نشر رسید.
خيارات
العودة لقائمة القصص تحميل بصيغة PDF