تحميل بصيغة PDF
العودة لقائمة القصص

ደርሆን ንስርን الدجاجة والنسر

كُتِب بواسطة Ann Nduku

رسمة بواسطة Wiehan de Jager

بترجمة Daniel Berhane Habte

لغة التغرينية

مستوى المستوى 3

سرد للقصة كاملة الصوت لهذه القصة غير متوفر.


ሓደ ግዜ፡ ደርሆን ንስርን መሓዙት ነበራ። ምስ ኵለን ካልኦት ኣዕዋፍ ብሰላም ይነብራ ነበራ። ካብኣተን ሓደ’ኳ ክነፍር ዝኽእል ኣይነበረን።

في قديم الزمان، كانت الدجاجة والنسر أصدقاء. كانوا يعيشون في سلام مع جميع الطيور الأخرى. كان لا يستطيع أياً منهما الطيران.


ሓደ መዓልቲ፡ ኣብ’ቲ ምድሪ ዓጸቦ ኣተወ። ንስሪ መግቢ ክተናዲ ናብ ርሑቕ ቦታ ክትጓዓዝ ኔርዋ። እዛ ንስሪ ኣዝያ ደኺማ ተመልሰት። “ካብ’ዚ ዝቐልል ሜላ ጕዕዞ ክህልው ኣለዎ!” ድማ በለት።

في يوم من الأيام، كان هناك مجاعة في الأرض. كان على النسر السير بعيداً جداً للعثور على طعام. وكان يعود متعباً جداً. فقال النسر “يجب أن يكون هناك وسيلة أسهل للسفر!”.


ደርሆ ካብ ልዋም ዘለዎ ናይ ለይቲ ድቃሳ ምስተንስአት፡ ኣዝዩ ብሉጽ ሓሳብ መጺኡዋ። ካብ ኵለን ኣዕዋፍ መሓዙታ ረጊፉ ዝወደቐ ክንቲት ክትእክቦ ጀመረት። ሽዑ፡ “ነዚ ዅሉ ኣብ ልዕሊ ክንቲትና ሰፊና ነላግቦ፡” “ምናልባት እዚ ንጕዕዞ ቀሊል ክገብሮ ይኽእል ይኸውን እዩ።” በለት።

بعد ليلة من النوم الجيد، فكرت الدجاجة بفكرة رائعة. بدأت بجمع الريش الذي تساقط من جميع أصدقائهم الطيور. و قالت “لنقم بخياطة هذا الريش فوق الريش الخاص بنا، لعل هذا سيجعل السفر أسهل”.


ካብ ምሉእ ዓዲ ንንስሪ ጥራይ እያ መርፍእ ዝነበረታ፡ ስለ’ዚ ንሳ ቀዳመይቲ ክትሰፊ ጀመረት። ጽቡቓት ጽምዲ ኣኽናፍ ንባዕላ ብምስራሕ ሰማየ ሰማይ ኣብ ልዕሊ ደርሆ ነፈረት። ደርሆ ነታ መርፍእ’ኳ እንተተለቅሓታ ምስፋይ ቀልጢፉ ኣሰልክዩዋ። ነታ መርፍእ ኣብ’ቲ ከብሒ ገዲፋ ንደቃ መግቢ ክተዳሉ ናብ ክሽነ ኣተወት።

كان النسر هو الوحيد في القرية الذي يملك إبرة، فبدأت بالخياطة أولا. و صنع لنفسه زوجا جميلا من الأجنحة وطار عاليا فوق الدجاجة. اقترضت الدجاجة الإبرة لكنها سرعان ما تعبت من الخياطة. تركت الإبرة على الدولاب وذهبت إلى المطبخ لإعداد الطعام لأطفالها.


እተን ካልኦት ኣዕዋፍ ግና ንስሪ ነፊራ ክትከይድ ርኣይኣ። ንዓኣተን እውን ኣኽናፍ ክሰፍያ ምእንቲ ንደርሆ መርፍእ ክተለቅሐን ሓተትኣ። እቲ ሰማይ ብኡ ንብኡ ብዝነፍራ ኣዕዋፍ መልአ።

عندما رأت الطيور الأخرى النسر يطير بعيدا. طلبوا من الدجاجة أن تعيرهم الإبرة لصناعة أجنحة لأنفسهم أيضا. بعد ذلك أصبحت هناك طيور تحلق في السماء.


እታ ናይ መወዳእታ ዑፍ ነታ ዝተለቅሓታ መርፍእ ክትመልሳ ከላ፡ ደርሆ ኣብኡ ኣይነበረትን። ስለዚ ጨቓዊታ ነታ መርፍእ ወሲደን ክጻወታላ ጀመራ። እቲ ጸወታ ምሰ’ሰልከየን፡ ነታ መርፍእ ኣብ’ቲ ሑጻ ገደፍኣ።

عندما أعاد آخر طائر الإبرة المقترضة، لم تكن هناك الدجاجة. فأخذ أطفال الدجاجة الإبرة وبدأوا في اللعب بها. عندما سئموا من اللعبة، تركوا الإبرة في الرمال.


ዳሕራይ ንምሸቱ፡ ንስሪ ተመሊሳ። ኣብ መንገዲ ንዝዘለቐ ክንቲታ ከተላግበላ ደልያ ብዛዕባ እታ መርፍእ ሓተተት። ደርሆ ኣብቲ ከብሒ ኣናደየት። ኣብቲ ክሽነ ሃሰው በለት፡ ኣብቲ ቀጽሪ ደለየት። እታ መርፍእ ግና ኣብ ኩሉ ኣይተረኽበትን።

في وقت لاحق بعد ظهر ذلك اليوم، عاد النسر. وسأل عن الإبرة لإصلاح بعض الريش الذي تفكك خلال رحلته. بحثت الدجاجة عن الإبرة على الدولاب. وبحثت في المطبخ. وبحثت في الفناء. ولكنها لم تعثر على أي أثر للإبرة.


“በጃኺ ሓንቲ መዓልቲ ዕድል ሃብኒ፡ ሽዑ ኣኽናፍኪ ክትጽግኒ እንደገና ነፊርኪ’ውን መግቢ ክትምእርሪ ክትክእሊ ኢኺ።” ክትብል ደርሆ ንንስሪ ለመነታ። ሽዑ ንስሪ፡ “ሕራይ ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ፡ ነታ መርፍእ ክትረኽብያ እንተዘይክኢልኪ ግና ከም ክፍሊት ሓንቲ ካብዘን ጨቓዊትኪ ክትህብኒ ኢኺ።” በለታ።

توسلت الدجاجة للنسر: “فقط أمهلني يوماً واحداً، ثم سيمكنك إصلاح جناحك و الطيران بعيداً للحصول على الطعام مرة أخرى”. قال النسر “إذا لم تتمكني من العثور على الإبرة، ستعطيني أحد أطفالك كثمن للإبرة”.


ንጽባሒቱ ንስሪ ምስመጸት፡ ደርሆ ኣብቲ ሑጻ ክትጽሕትር ረኸበታ፡ መርፍእ ግን የላን። ስለዚ ንስሪ ብፍጥነት ነፊራ ብምውራድ ሓንቲ ካብ’ተን ጨቓዊት ሓዘት። ሒዛታ ድማ ተዓዝረት። ብድሕር’ዚ ንሓዋሩ፡ ንስሪ ኣብ ዝመጻትሉ፡ ደርሆ ነታ መርፍእ ንምርካብ ሑጻ ክትጽሕትር ትጸንሓ።

عندما جاء النسر في اليوم التالي، وجد الدجاجة تبحث في الرمال، ولكن لا أثر للإبرة. فطار النسر إلى أسفل سريعا واختطف أحد أطفال الدجاجة وحمله بعيدا. بعد ذلك، كان كلما يظهر النسر، يجد الدجاجة تبحث في الرمال عن الإبرة.


ጽላሎት ኣኽናፍ ናይ ንስሪ ኣብ ባይታ ኣብ ዝዓልበሉ ግዜ፡ ደርሆ ንጨቓዊታ ከምዚ’ላ ተጠንቅቐን። “ካብቲ ንቑጽን ቅሉዕን መሬት ኣልግሳ።” ንሳተን ድማ ከምዚ’ለን ይምልሳላ፡ “ዓያሹ ኣይኮንናን። ክንሃድም ኢና።”

كان كلما يظهر ظل جناح النسر على الأرض، تحذر الدجاجة فراخها. “اخرجوا من الأرض الجرداء فليس فيها مخبأ.” وكانت الفراخ تجيبها: “طبعاً سوف نقوم بالهرب، لسنا أغبياء”.


كُتِب بواسطة: Ann Nduku
رسمة بواسطة: Wiehan de Jager
بترجمة: Daniel Berhane Habte
لغة: التغرينية
مستوى: المستوى 3
المصدر: Hen and Eagle از القصص الأفريقية القصيرة
رخصة المشاع الإبداعي
تحت مجوز المشاع الإبداعي نَسب المُصنَّف 3.0 دولي کریتز کامنز به نشر رسید.
خيارات
العودة لقائمة القصص تحميل بصيغة PDF