تحميل بصيغة PDF
العودة لقائمة القصص

ኖዚበለን እተን ሰለስተ ጸጕርታትን نوزيبال والشعرات الثلاث

كُتِب بواسطة Tessa Welch

رسمة بواسطة Wiehan de Jager

بترجمة Daniel Berhane Habte

لغة التغرينية

مستوى المستوى 3

سرد للقصة كاملة الصوت لهذه القصة غير متوفر.


ቅድሚ ነዊሕ ዘመን፡ ሰለስተ ኣዋልድ ዕንጸይቲ ክኣርያ ንበረኻ ወፈራ።

يحكى في قديم الزمان أن ثلاث فتيات قصدن الغابة لجمع الحطب.


ሙቐት ዘለዎ መዓልቲ እዩ ኔሩ እሞ ንኽሕምብሳ ናብቲ ውሕጅ ወረዳ። ኣብቲ ማይ ክጻወታ፡ ክጋጫጨባን ክሕምብሳን ወዓላ።

كان اليوم حارا فنزلت الفتيات الثلاثة إلى النهر ليستحممن. فلعبن وسبحن ونثرن الماء هنا وهناك.


ብሃንደበት፡ ከምዝመሰየ ተገንዘባ። እናቐልጠፋ ናብ ዓደን ተመልሳ።

وفجأة انتبهن إلى أن الوقت قد تأخر بهن فأسرعن بالعودة إلى القرية.


ጥቓ ቤተን ምስበጽሓ፡ ኖዚበለ ኢዳ ናብ ክሳዳ ሰደደት። ስልማት ክሳዳ ረሲዓታ! “በጃኽን ንዓናይ ምሳይ ተመለሳ” ክትብል ንመሓዙታ ለመነተን። መሓዙታ ግን ኣዝዩ መስዩ እዩ በላኣ።

وعندما شارفن على بلوغ منازلهن رفعت نوزيبال يدها إلى رقبتها فتفطنت إلى أنها نسيت عقدها عند النهر. توسلت نوزيبال إلى صديقتيها بأن يرجعا معها إلى هناك لكنهما رفضتا لأن الوقت كان متأخرا.


ስለዚ ኖዚበለ ናብቲ ውሕጅ ንበይና ተመልሰት። ስልማት ክሳዳ ረኺባታ ናብ ቤታ ክትከይድ ተጻደፈት። ግና ኣብቲ ጸልማት መንገዲ ጠፊእዋ።

رجعت نوزيبال بمفردها إلى النهر. وجدت عقدها هناك فأخذته وقفلت مسرعة إلى البيت. غير أنها أضاعت طريقها لأن الظلام كان قد أسدل ستاره على المكان.


ኣብ ርሑቕ ካብ ሓንቲ ኣጕዶ ዝወጽእ ብርሃን ርኣየት። ብተብተብ ናቡኡ ገጻ ብምቅራብ ኣብቲ ማዕጾ ኳሕኵሐት።

رأت نوزيبال ضوءا ينبعث من كوخ من بعيد فأسرعت إلى الكوخ وطرقت الباب.


ዘይተጸበየቶ፡ ሓደ ከልቢ ከፊትዋ “እንታይ ደሊኺ?” ክብል ድማ ሓቲትዋ። “ጠፊአ’የ መሕደሪ ቦታ ድማ እደልይ ኣለኹ፡” በለት ኖዚበለ። “ንዒ እተዊ፡ እንተ ዘየሎ ክነኽሰኪ እየ!” በላ እቲ ከልቢ። ኖዚበለ ድማ ንውሽጢ ኣተወት።

وكم كانت مفاجأتها كبيرة عندما فتح الباب كلب وقال لها: “ماذا تريدين؟” أجابت نوزيبال: “لقد أضعت طريقي وأنا بحاجة لمكان أنام فيه”. فقال الكلب: “ادخلي، وإلا قمت بعضك”. فدخلت نوزيبال الكوخ.


ሽዑ እቲ ከልቢ “መግቢ ከሽንለይ” ይብላ። “ኣነ ግና ቅድሚ ሕጂ ንኸልቢ ከሺነ ኣይፈልጥን እየ፡” ኢላ መለሰትሉ። “ከሽኒ ሓደው ክነኽሰኪ እየ!” ይብላ እቲ ከልቢ። ስለዚ ኖዚበለ ነቲ ከልቢ መግቢ ከሸነትሉ።

ثم قال الكلب: “هيا اطبخي لي طعاما”، أجابت نوزيبال: “أنا لم أطبخ لكلب قط من قبل”، لكن الكلب أصر: “هيا…اطبخي وإلا قمت بعضك”. انصاعت نوزيبال لأمر الكلب وطبخت له طعاما.


ሽዑ እቲ ከልቢ፡ “ዓራተይ ኣንጽፍለይ!” በላ። ኖዚበለ ድማ “ኣነ ግና ቅድሚ ሕጂ ዓራት ናይ ከልቢ ኣንጺፈ ኣይፈልጥን እየ።” ኢላ መለሰትሉ። “ኣንጽፍለይ እንተዘይኮይኑ ክበጅለኪ’የ!” ይብላ። ስለዚ ኖዚበለ ዓራቱ ኣንጸፈትሉ።

ثم قال الكلب: “رتبي لي فراشي”. أجابت نوزيبال: “لكني لم أرتب فراشا لكلب قط من قبل”. أصر الكلب: “حضري لي الفراش وإلا عضضتك”. عندها رتبت نوزيبال له الفراش.


ኵሉ መዓልቲ ነቲ ከልቢ ክትክሽነሉ፡ ክትኵስትረሉን ክትሓጽበሉን ኔርዋ። ሽዑ ሓደ መዓልቲ እቲ ከልቢ፡ “ኖዚበለ ሎሚ ናብ ኣዕሩኽተይ ክበጽሕ ክኸይድ እየ። ቅድሚ ምምላሰይ ምድርቤት ኰስትርዮ፡ መግበይ ከሽንለይ ኣቝሑተይ ድማ ሓጻጽብለይ።” በላ።

وأصبحت نوزيبال تطبخ وتكنس وتغسل للكلب كل يوم. وذات يوم من الأيام، قال الكلب لنوزيبال: “نوزيبال، سأذهب اليوم لزيارة بعض الأصدقاء، عليك أن تكنسي المنزل وتطبخي الطعام وتغسلي ثيابي قبل أن أعود”.


እቲ ከልቢ ምስከደ፡ ኖዚበለ ብቕጽበት ሰለስተ ጸጕርታት ካብ ርእሳ በንቈሰት። ሓንቲ ጸጕሪ ኣብ ትሕቲ ዓራት ኣቐመጠት፡ ሓንቲ ብድሕሪ ማዕጾ፡ ሓንቲ ድማ ኣብቲ ዛሬባ። ብድሕሪኡ ብምሉእ ዓቕማ ናብ ቤታ ገጻ ሃደመት።

وبمجرد أن غادر الكلب الكوخ، قطعت نوزيبال ثلاث شعرات من رأسها ووضعت واحدة تحت السرير وواحدة وراء الباب وواحدة على سور الكوخ وجرت مسرعة إلى بيتها.


እቲ ከልቢ ምስተመልሰ ንኖዚበለ ከናድያ ጀመረ። “ኖዚበለ፡ ኣበይ ኣለኺ?” እናበለ ጨደረ። “ኣብዚ እኔኹ፡ ኣብ ትሕቲ ዓራት፡” በለት እታ ቀዳመይቲ ጸጕሪ። “ኣብዚ ኣለኹ ድሕሪ እዚ ማዕጾ፡” በለት እታ ካልኣይቲ ጸጕሪ። “ኣብዚ እነሃልኹ፡ ኣብ ዛሬባ፡” በለት እታ ሳልሰይቲ ጸጕሪ።

وعندما رجع الكلب إلى كوخه طفق يبحث عن نوزيبال: “نوزيبال، أين أنت”؟ أجابت الشعرة الأولى: “أنا هنا، تحت السرير”، وقالت الشعرة الثانية: “أنا هنا وراء الباب”. وقالت الشعرة الثالثة: “أنا هنا على سور الكوخ”.


ሻቡ እቲ ከልቢ ኖዚበለ ከምዘታለለቶ ተረድአ። ስለዚ ብፍጥነት ናብቲ ዓዲ እናጐየየ እናጐየየ ከደ። ኣሕዋት ኖዚበለ ግና ገዘፍቲ ኣባትር ሒዞም ክጽበይዎ ጸንሑ። እቲ ከልቢ ተመሊሱ ሃደመ ካብታ ግዜ ንደሓር’ውን እንደገና ኣይተርኣየን።

عندها عرف الكلب أن نوزيبال قد خدعته، فانطلق مسرعا نحو القرية، لكن إخوة نوزيبال كانوا بانتظاره وبأيديهم عصا غليظة. خاف الكلب فرجع أدراجه وأطلق أقدامه للريح ولم يره أحد منذ ذلك اليوم.


كُتِب بواسطة: Tessa Welch
رسمة بواسطة: Wiehan de Jager
بترجمة: Daniel Berhane Habte
لغة: التغرينية
مستوى: المستوى 3
المصدر: Nozibele and the three hairs از القصص الأفريقية القصيرة
رخصة المشاع الإبداعي
تحت مجوز المشاع الإبداعي نَسب المُصنَّف 3.0 دولي کریتز کامنز به نشر رسید.
خيارات
العودة لقائمة القصص تحميل بصيغة PDF