تحميل بصيغة PDF
العودة لقائمة القصص

ኣናንሲን ጥበብን أنانسي و الحكمة

كُتِب بواسطة Ghanaian folktale

رسمة بواسطة Wiehan de Jager

بترجمة Daniel Berhane Habte

لغة التغرينية

مستوى المستوى 3

سرد للقصة كاملة الصوت لهذه القصة غير متوفر.


ቅድሚ ነዊሕ ዘመን ሰባት ዋላሓደ ኣይፈልጡን ነበሩ። ናይ ኣዝርእቲ ምብቋል፡ ክዳውንቲ ምስፋይ ኮነ ምቕጥቃጥ ሓጺን ኣፍልጦ ኣይነበሮምን። ኵሉ እቲ ጥበብ ናይ ዓለም ምስቲ ኣብ ሰማይ ዝነብር ኣምላኽ ንያመ ጥራይ ነበረ። ንሱ ነቲ ጥበብ ኣብ ሓንቲ ናይ ካይላ ዕትሮ ብስቱር ዓቂብዎ ነበረ።

في قديم الزمان، كان الناس لا يعرفون شيئا. كانوا لا يعرفون طريقة زراعة المحاصيل، أو نسج الأقمشة، أو صناعة الأدوات الحديدية. كان هناك الإله نيام في السماء وكان يملك كل الحكمة الموجودة في العالم. وكان محتفظا بها في وعاء من الفخار.


ሓደ መዓልቲ፡ ንያመ ነታ ናይ ጥበብ ዕትሮ ንኣናንሲ ክህቦ ወሰነ። ኵሉ ግዜ ኣናንሲ ነታ ናይ ካይላ ዕትሮ ኣብ ዝርኣየላ ግዜ፡ ገለ ሓድሽ ነገር ይምሃር ነበረ። ዘደንቕ እዩ!

في يوم من الأيام، قرر نيام أن يعطي وعاء الحكمة إلى أنانسي. في كل مرة كان أنانسي ينظر في وعاء الفخار، كان يتعلم شيئا جديدا. كان أمرا مثيرا!


ስሱዕ ኣናንሲ፡ “ነዛ ዕትሮ ኣብ ጫፍ ናይዚ ነዊሕ ገረብ ብስቱር ክዕቅባ እየ። ሽዑ ንዓይ ጥራይ ትኸውን።” ኢሉ ሓሰበ። ሓደ ነዊሕ ሃሪ ኣሊሙ፡ ኣብታ ናይ ካይላ ዕትሮ ኣሲሩ ኣብ ዙርያ ናይ ከብዱ ጠምጠሞ። ናብታ ገረብ ክድይብ ጀመረ። ግና እታ ዕትሮ ኣብ ብርኩ ደጋጊማ እናሃረመት ናብቲ ላዕሊ ምድያብ ኣጸገመቶ።

فكر الجشع أنانسي: “أنا سوف أحتفظ بالوعاء في مكان آمن في أعلى شجرة طويلة. بعد ذلك يمكن أن يكون كل شيء لنفسي!” ونسج خيط طويل، ولفه حول وعاء الطين، وربطه إلى بطنه. بدأ تسلق الشجرة. ولكن كان من الصعب تسلق الشجرة والوعاء يخبط في ركبتيه طوال الوقت.


እዚ ኵሉ ክገብር ከሎ፡ ንእሽቶ ወዱ ንኣናንሲ ኣብ ትሕቲ’ታ ገረብ ደው ኢሉ ይከታተሎ ነበረ። ከምዚ ድማ በሎ፡ “ምድያብ ክቐለልካስ ነዛ ዕትሮ እንተትሓዝላ’ዶ ኣይምሓሸን?” ኣናንሲ ነታ ጥበብ ዝመልአት ዕትሮ ክሓዝላ ፈተነ፡ ብሓቂ ድማ ኣዝዩ ዝቐለለ ዀነ።

خلال كل هذا الوقت كان ابن أنانسي الصغير يشاهد من أسفل الشجرة. وقال: “ألن يكون من الأسهل تسلق الشجرة إذا كان الوعاء مربوطا إلى ظهرك بدلا من بطنك؟” حاول أنانسي ربط وعاء الفخار المليء بالحكمة إلى ظهره، وأصبح فعلا تسلق الشجرة أسهل.


ብሓጺር ግዜ ጫፍ ናይታ ገረብ በጽሐ። ግና ሽዑ ደው ኢሉ ሓሰበ፡ “ኣነ እየ እቲ ዝለበመ ሰብ ክኸውን ዝግበኣኒ ዝነበረ፡ እንተዀነ ግዳ እነሆለ ‘ዝ ወደይ ካባይ ዝበልሕ ኮይኑ!” ኣናንሲ ኣዝዩ ተቘጢዑ ነታ ናይ ካይላ ዕትሮ ካብ ጫፍ ናይታ ገረብ ንታሕቲ ደርበያ።

خلال وقت قصير وصل إلى أعلى الشجرة. ولكن بعد ذلك توقف وفكر، “أنا من المفترض أن أكون صاحب كل الحكمة، وهنا كان ابني أذكى مني!” كان أنانسي غاضب جدا وألقى وعاء الفخار إلى أسفل الشجرة.


ኣብቲ መሬት ሕምሽሽ ኢላ ተሰባበረት። እቲ ጥበብ ብነጻ ንዅሉ ሰብ ከምዝባጻሕ ኰነ። በዚ ድማ እዮም ሰባት ነቲ ኵሉ ሕጂ መሊኾሞ ዘለዉ ጥበባት ከም ሕርሻ፡ ምስፋይ ክዳውንቲ፡ ምቕጥቃጥ ሓጺን ኰነ ካልእ ጥበባት ክፈልጡ ዝኸኣሉ።

تحطم الوعاء إلى قطع صغيرة على الأرض. وأصبحت الحكمة للجميع لكي يتشاركوها. وهكذا تعلم الناس الفلاحة، ونسج الأقمشة، وصناعة الأدوات الحديدية، وجميع الأشياء الأخرى التي يعرف الناس كيفية القيام بها.


كُتِب بواسطة: Ghanaian folktale
رسمة بواسطة: Wiehan de Jager
بترجمة: Daniel Berhane Habte
لغة: التغرينية
مستوى: المستوى 3
المصدر: Anansi and Wisdom از القصص الأفريقية القصيرة
رخصة المشاع الإبداعي
تحت مجوز المشاع الإبداعي نَسب المُصنَّف 3.0 دولي کریتز کامنز به نشر رسید.
خيارات
العودة لقائمة القصص تحميل بصيغة PDF