تحميل بصيغة PDF
العودة لقائمة القصص

እታ ደቃቕ ዘርኢ፡ ዛንታ ዋንጋሪ ማታይ البذرة الصغيرة – حكاية ونقاري ماتهاي

كُتِب بواسطة Nicola Rijsdijk

رسمة بواسطة Maya Marshak

بترجمة Daniel Berhane Habte

لغة التغرينية

مستوى المستوى 3

سرد للقصة كاملة الصوت لهذه القصة غير متوفر.


ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ዝባን ናይ እምባ ኬንያ ኣብ እትርከብ ሓንቲ ዓዲ፡ ሓንቲ ንእሽቶ ጓል ምስ ኣዲኣ ኣብቲ ግራውቲ ትሰርሕ ነበረት። ስማ ዋንጋሪ ትበሃል።

في قرية على منحدر جبل كينيا بشرق إفريقيا، كان هناك فتاة صغيرة تدعى ونقاري تعمل مع أمها في الحقول.


ዋንጋሪ ኣብ ግዳም ምዃን ትፈቱ ነበረት። ኣብ ናይ ስድራኣ ስፍራ ኣታኽልቲ፡ ብጐዘሞ ጌራ ነቲ ድንኩል ትሰባብሮ። ንኣሽቱ ኣዝርእቲ ናብቲ ምዉቕ መሬት ጠዊቓ ተእትው።

كانت ونقاري تحب الحياة خارج البيت فكنت أراها تعمل في حديقة منزل العائلة، تشق التربة بعصاها وتغرس الحبات الصغيرة في أديم الأرض الدافئ.


ጸሓይ ዕራርብቦ እቲ ኣዝያ እትፈትዎ ክፍለግዜ ናይ መዓልቲ እዩ። መሬት ጸልሚቱ ኣትክልቲ ምርኣይ ክኣብይዋ ከለዉ፡ ዋንጋሪ ንቤታ ትኸደሉ እዋን ከምዝኣኸለ ክተስተብህል ከኣለት። ክትከይድ ከላ፡ ሩባ ተሳጊራ ነቲ ብማእከል ግራት ዝስንጥቕ ቀጢን መንገዲ ትኽተል።

وكانت أفضل فترات اليوم لديها هي فترة ما بعد الغروب، حين يسدل الليل ستاره ويحل الظلام. عندها تعرف ونقاري أن الوقت قد حان للعودة إلى المنزل فتحث خطاها إلى البيت متبعة المسالك الضيقة عبر الحقول، عابرة الأنهار التي تعترض طريقها.


ዋንጋሪ በላሕ ቆልዓ እያ ዝነበረት ትምህርቲ ክትጅምር ድማ ሃረር ትብል ነበረት። ኣዲኣን ኣቦኣን ግና ክትጸንሕ’ሞ ኣብ ቤት ክትሕግዞም ደለዩዋ። ዕድሚኣ ሸውዓተ ዓመት ምስኣኸለ፡ ዓቢ ሓዋ ናብ ቤት ትምህርቲ ክሰዱዋ ንወለዳ ኣእመነኖም።

كانت ونقاري فتاة ذكية وكانت شغوفة بالذهاب إلى المدرسة لكن أمها وأباها أراداها أن تبقى في المنزل لإعانتهما. لكن عندما بلغت سن السابعة من عمرها استطاع أخوها الأكبر إقناع والديها بأن يسمحا لها بالالتحاق بالمدرسة.


ዋንጋሪ ትምህርቲ ትፈቱ ነበረት! ካብ ነፍሲ-ወከፍ ዘንበበቶ መጽሓፍ ብዙሕ ተማህረት። ኣብ ትምህርታ ኣዝያ ብልጽቲ ብምዃን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ንኽትመሃር ዕድል ረኸበት። ዋንጋሪ ኣዝያ ተሓጐሰት! ብዛዕባ ዓለም ዝያዳ ክትፈልጥ ተሃንጠየት።

شغفت ونقاري بالدراسة وكانت كلما قرأت كتاباً زاد شغفها بالتعلم. وحققت ونقاري نتائج باهرة في المدرسة مما مكنها من مواصلة دراستها بالولايات المتحدة الأمريكية. فرحت الفتاة كثيرا وزادت رغبتها في التعرف على العالم.


ኣብቲ ናይ ኣሜሪካ ዩኒቨርሲቲ ዋንጋሪ ብዙሕ ሓድሽ ነገራት ተማህረት። ብዛዕባ ኣትክልትን ከመይ ከምዝበቝሉን ኣጽንዐት። ኣብቲ ማራኺ ጫካታት ናይ ኬንያ ኣብ ትሕቲ ጽላል ናይ ኣእዋም ምስ ኣሕዋታ እናተጻወተት፡ ንባዕላ ከመይ ከምዝዓበየት’ውን ዘከረት።

تعلمت ونقاري العديد من الأشياء الجديدة في الجامعة الأمريكية وتلقت دروسا حول النباتات وكيفية نموها. استرجعت ونقاري ذكريات طفولتها عندما كانت تلعب مع إخوتها تحت ظل الأشجار في غابات كينيا الجميلة.


ዝያዳ ብዝተማህረት፡ ንህዝቢ ኬንያ ከምትፈትዎም ዝያዳ ተገንዘበት። ሕጕሳትን ናጻን ክዀኑ ደለየት። ዝያዳ ብዝተማህረት፡ ነቲ ናይ ኣፍሪቃ ቤታ ዝያዳ ዘከረት።

وبقدر ما كانت تزداد علماً ودراسة بقدر ما كان حبها لشعب كينيا يزداد ويتعمق. كانت تريدهم أن يكونوا سعداء وأحراراً، فكانت كلما زاد علمها، زاد تعلقها بموطنها.


ትምህርታ ምስወድአት፡ ናብ ኬንያ ተመልሰት። ሃገራ ግን ተቐዪራ ጸንሓታ። ዓበይቲ ሕርሻታት ኣብቲ ሃገር ኣስፋሕፍሑ። ኣዴታት ንመብሰሊ መግቢ ዝኸውን ዕንጨይቲ ሰኣና። ህዝቢ ደኽዩ ቆልዑ ድማ ጠመዩ።

وعندما أنهت ونقاري دراستها رجعت إلى كينيا، لكنها اكتشفت أن كينيا قد تغيرت: كانت المزارع الشاسعة تمتد في جميع أنحاء الأرض بينما لم يكن للنساء حطباً لطهي الطعام وكان الناس فقراء والصغار جياعاً.


ዋንጋሪ እንታይ ክትገብር ከምዘለዋ ተገንዘበት። ነተን ኣዴታት ካብ ዘርኢ ከመይ ጌርካ ገረብ ከምእተብቍል መሃረተን። እተን ኣዴታት ነቲ ኣግራብ ሸጥኦ ነቲ ዝረኸቦኦ ኣታዊ ድማ ንመእለዪ ስድራቤተን ኣውዓልኦ። እተን ኣዴታት ኣዝየን ተሓጐሳ። ዋንጋሪ ፍናንን ጽንዓትን ክስምዐን ሓጊዛተን እያ።

عرفت ونقاري ما يجب عليها فعله. فعلمت النساء كيف يزرعن البذور، ونمت الأشجار وأصبحت النساء يبعن هذه الأشجار وبثمنها يعتنين بعائلاتهن. شعرت النساء بالسعادة، فقد ساعدتهن ونقاري على أن يكنَّ قويات فاعلات.


ግዜ ብዝሓለፈ፡ እቲ ሓደስቲ ኣግራብ ጫካ ዀነ፡ እቶም ኣፍላግ ድማ ከም ቀደሞም ክዛርዩ ጀመሩ። ናይ ዋንጋሪ ኣስተምህሮ ካብ ጻትንጻት ኣፍሪቃ ተዘርግሐ። ሎሚ፡ ካብ ናይ ዋንጋሪ ዘራእቲ ሚልዮናት ኣግራብ በቚሉ ይርከብ።

وبمرور الزمن، تحولت الأشجار إلى غابات وجرت الأنهار بالماء من جديد وانتشرت رسالة ونقاري في كامل أرجاء إفريقيا، ونمت ملايين الأشجار بفضل بذور ونقاري.


ዋንጋሪ ጽዒራ እያ። ዓለም ብዓለሙ ኣቕለበላ፡ ኣዝዩ ግኑን ሽልማት ድማ ኣበርከተላ። እቲ ሽልማት ናይ ሰላም ሽልማት ኖበል እዩ ዝበሃል፡ ንሳ ድማ ነዚ ሽልማት ዝበቕዐት ናይ ፈለማ ኣፍሪቃዊት ጓል ኣንስተይቲ ኮነት።

لاحظ الناس في جميع أنحاء العالم تفاني ونقاري في العمل وقدموا لها جائزة شهيرة: إنها جائزة نوبل للسلام والتي كانت ونقاري أول امرأة افريقية تحصل عليها.


ዋንጋሪ ኣብ 2011 እኳ ብሞት እንተተፈለየትና፡ ጽቡቕ ኦም ኣብንርእየሉ ኵሉ ግዜ ግና ኣብ ኣእምሮና ትቕጀለና።

توفيت ونقاري سنة 2011، لكننا نتذكرها في كل شجرة جميلة نراها حولنا.


كُتِب بواسطة: Nicola Rijsdijk
رسمة بواسطة: Maya Marshak
بترجمة: Daniel Berhane Habte
لغة: التغرينية
مستوى: المستوى 3
المصدر: A Tiny Seed: The Story of Wangari Maathai از القصص الأفريقية القصيرة
رخصة المشاع الإبداعي
تحت مجوز المشاع الإبداعي نَسب المُصنَّف 4.0 دولي کریتز کامنز به نشر رسید.
خيارات
العودة لقائمة القصص تحميل بصيغة PDF