下载 PDF
返回故事列表

እታ ቤተይ ገዲፈ ንከተማ ዝወጻኹላ ዕለት 离家进城的那一天

作者 Lesley Koyi, Ursula Nafula

插图 Brian Wambi

译文 Daniel Berhane Habte

语言 提格雷尼亚语

级别 3级

将整故事念出来 本故事尚未有语音版。


እታ ኣብ ዓድና ዘላ ንእሽቶ መዕረፍ ኣውቶቡሳት ብህዝብን ልዕሊ ዓቕመን ብዝጸዓና ኣውቶቡሳትን ኣዕለቕሊቓ ነበረት። ዋላ ኣብ ባይታ ኻኣ ዝጸዓን ተወሳኺ ንብረት ነበረ። ተመትቲ ኣስማት ናይቲ ኣውቶቡሳቶም ዝኸድኦ ቦታታት ይጭድሩ ነበሩ።

在我生活的村庄里,有一个小小的大巴车站。大巴车站虽然小,但是人来车往,非常热闹,地上常常堆满了装载的货物,售票员叫喊着大巴车开往的方向。


ከተማ! ከታማ! ናብ ምዕራብ! ኢሉ ሓደ ተማቲ ክጭድር ሰማዕክዎ። ንሳ እያ እታ ክወስዳ ዝደለኹ ኣውቶቡስ።

我听到售票员喊“进城啦!进城啦!往西去!”这就是我要乘坐的大巴车。


እታ ኣውቶቡስ ከተማ ዳርጋ መሊኣ እያ ኔራ፡ ግን ጌና ተወሰኽቲ ሰባት ንኽኣትዉ ይደፋፍኡ ነበሩ። ገሊኣቶም ንብረቶም ኣብ ትሕቲ እታ ኣውቶቡስ ጸዓንዎ። ካልኦት ድማ ኣብቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ መጸፍጸፊ ኣእተውዎ።

进城的大巴车几乎坐满了,但是人们还是不停地往里面挤。一些人把行李放在车顶,还有一些人把行李放在车厢里的架子上。


ሓደስቲ ተሳፈርቲ ትኬቶም ተኾልኪሎም ኣብታ ጭቕጭቕ ዝበለት ኣውቶቡስ ኮፍ መበሊ ይደልዩ ነበሩ። ናኣሽቱ ቆልዑ ዝነበርወን ኣዴታት ንቆልዑተን ነቲ ነዊሕ ጕዕዞ ኣመሻሽኣሎም።

刚上车的乘客们紧紧地抓着他们的车票,在拥挤的车厢里寻找座位,带着小孩的妇女们都坐得舒舒服服的。


ኣነ ኣብ ጥቓ መስኮት ተጨባቢጠ ኮፍ በልኩ። ኣብ ጐነይ ኮፍ ዝበለ ሰብ ሓንቲ ቀጠልያ ሳንጣ ቀጠው ኣቢሉ ሒዙ ነበረ። ብላይ ሳንደል ሳእንን ዝኣረገ ካቦትን’ዩ ወድዩ፡ ዝተጨነቐ ድማ ይመስል ነበረ።

我挤到了窗边的一个座位里。旁边的乘客紧紧地抓着一个绿色的塑料包裹。他穿着破旧的凉鞋和外套,看起来很紧张。


ካብታ ኣውቶቡስ ናብ ግዳም ጠመትኩ’ሞ ዓደይ፡ እታ ዝዓበኹላ ቦታ ሓዲገያ ይኸይድ ምህላወይ ተረድኣኒ። ናብታ ዓባይ ከተማ እየ ዝኸይድ ኔረ።

我朝窗外看去,这才意识到,我正在离开我长大的村庄,我要进城了!


እቲ ምጽዓን ተወዲኡ እዩ ኵሉ ተሳፋራይ ድማ ኮፍ በለ። እናዞሩ ኣቕሑ ዝሸጡ ሰባት ንብረቶም ናብ ተሳፈርቲ ንምሻጥ ጌና ናብታ ኣውቶቡስ ተዳፍኡ። ነፍስወከፎም ስም እቲ ንመሸጣ ዝቐረብዎ ንብረት እናጠቐሱ ይጭድሩ ነበሩ። እቲ ቃላት ንዓይ ኣስሒቑኒ።

货物都装载完了,乘客们都坐好了。小商贩们还在努力地挤到车厢里,向乘客们大声叫卖着货物。他们的话听起来怪好笑的。


ሒደት ተሳፈርቲ ዝስተ ገዚኦም፡ ካልኦት ቀንጠመምንጢ ጣዓሞት ዓዲጎም ክሕይኹ ጀሚሮም። እቶም ገንዘብ ዘይነበረና፡ በዓል ኣነ፡ ሱቕ ኢልና ተዓዘብና።

有一些乘客买了饮料,还有一些乘客买了零食,正准备拆开来吃。像我一样没有钱的人只能看着。


እዚ ንጥፈታት በቲ ክንብገስ ምዃ’ና ዘአንፍት ድምጺ ጥሩምባ ናይታ ኣውቶቡስ ተቛረጸ። እቲ ተማቲ ነቶም ሸያጦ ንኽወጹ ኣዕበርበረሎም።

大巴车滴滴叫了两声,要开了,小商贩的活动戛然而止。售票员喊着,赶他们下车。


ሸያጦ ካብታ ኣውቶቡስ ንምውራድ ንሓድሕዶም ተደፋፍኡ። ገሊኦም ነቶም ተሳፈርቲ ማልስ ሂቦሞም። ካልኦት ድማ ተወሳኺ ነገራት ንምሻጥ ናይ መወዳእታ ፈተነ ኣካየዱ።

小商贩们推推搡搡下了车。一些人还在忙着找零钱,还有一些人赖着想最后再做点生意。


እታ ኣውቶቡስ ነቲ መቖም ኣውቶቡስ ገዲፋቶ ክትከይድ ከላ በቲ መስኮት ንግዳም ጠመትኩ። ዳግም ናብ ዓደይ ክምለስ’ዶ ይኸውን እናበልኩ ተደነቕኩ።

大巴车缓缓离开了车站,我看着窗外,不知道今后会不会有机会回来了。


ኣብ ጕዕዞና ምስገስገስና፡ እቲ ውሽጢ ኣውቶቡስ ኣዝዩ መቘ። ክድቅስ እናተተስፈኹ ዓይነይ ዓመትኩ።

旅程渐渐展开,车厢里慢慢热了起来,我闭上眼睛,想小睡一会儿。


ኣእምሮይ ግና ናብ ቤተይ ተመሊሱ ሃውተተ። ኣደይ ብደሓን’ዶ ትጸንሕ? ማንቲለይ ገንዘብ የእትዋ’ዶ ይኾና? ሓወይ’ከ ነቲ ፈልሰይ ማይ ምስታይ ይዝክሮ’ዶ ይኸውን?

但我的思绪却飞回了家。我的妈妈安全吗?我的兔子会卖了赚钱吗?我的弟弟会帮着给小树苗浇水吗?


ኣብ መንገደይ፡ ስም ናይቲ ኣኮይ ዝነብረሉ ኣብቲ ዓቢ ኸተማ ዘሎ ቦታ ሸምደድክዎ። ጌና ደቂሰ ከለኹ ነቲ ስም ብትሕቲ መልሓሰይ ይደጋግሞ ነበርኩ።

在路上,我努力记住我叔叔在城市里的地址。我迷迷糊糊地说着地址,沉沉地睡去。


ድሕሪ ትሽዓተ ሰዓታት፡ በቲ ዓው ዝበለ ገም ገምን ጻውዒት ናብ ዓድና ክምለሱ ዝደለዩ ተሳፈርትን ተበራበርኩ። ንእሽቶ ሳንጣይ ኣልዒለ ካብታ ኣውቶቡስ ዘሊለ ወረድኩ።

过了九个小时,我被售票员的叫喊声吵醒了,他在喊乘客坐车回村庄。我一把抓住我的包,跳下了车。


እታ ኣውቶቡስ ንኽትምለስ ብቕልጡፍ ትመልእ ነበረት። ብተሎ ናብ ምብራቕ ክትምለስ እያ። ሕጂ እምበኣር እቲ ንዓይ ኣዝዩ ዘገድሰኒ ነገር፡ እንዳ ኣኮይ ሃሰው ክብል ምጅማር እዩ።

回程的大巴车很快就坐满了,不久就要开回东边的村庄去了。对我来说,现在最重要的事情就是找到我叔叔的家。


作者: Lesley Koyi, Ursula Nafula
插图: Brian Wambi
译文: Daniel Berhane Habte
语言: 提格雷尼亚语
级别: 3级
出处: 原文来自非洲故事书The day I left home for the city
共享创意授权条款
本着作系采用共享创意 署名 4.0 未本地化版本授权条款授权。
选项
返回故事列表 下载 PDF