下载 PDF
返回故事列表

ደርሆን ዓረዛዘነን 鸡和千足虫

作者 Winny Asara

插图 Magriet Brink

译文 Daniel Berhane Habte

语言 提格雷尼亚语

级别 3级

将整故事念出来 本故事尚未有语音版。


ደርሆን ዓረዛዘነን መሓዙት እዮም ኔሮም። እንተኾነ ግና ኵሉ ግዜ ንሓድሕዶም ይወዳደሩ ነበሩ። ሓደ መዓልቲ መኖም ዝበለጸ ተጻዋታይ ከምዝኾነ ንምርኣይ ኵዕሶ እግሪ ክጻወቱ ወሰኑ።

鸡和千足虫是好朋友,但是它们又互相竞争。有一天,它们决定进行一场足球比赛,看看谁是最棒的球员。


ናብቲ ሜዳ ኵዑሶ እግሪ ብምኻድ ግጥሞም ጀመሩ። ደርሆ ፈጣን እያ ኔራ፡ ዓረዛዘነ ግና ካብኣ ይቕልጥፍ። ደርሆ ኣርሒቓ ቐሊዓ፡ ዓረዛዘነ ግና ካብ ናታ ዝርሕቕ ቀሊዑ። ደርሆ ገንጨርጨር ክትብል ጀመረት።

它们去了球场,开始比赛。鸡跑得飞快,但是千足虫跑得更快。鸡把球踢得很远,但是千足虫踢得更远。鸡开始有点闷闷不乐。


ውሳነ ፍጹም ቅላዕ ክጻወቱ ደምደሙ። ደርሆ ሓንቲ ሸቶ ጥራይ ኣመዝጊባ። ሽዑ ደርሆ ሸቶ ናይ ምክልኻል ተራኣ በጺሑ።

最后,它们决定来一场点球大战。第一轮中,千足虫当守门员,鸡只拿到了一分。然后,在第二轮中,鸡做守门员。


ዓረዛዘነ ነታ ኵዕሶ ቀሊዑ ሸቶ ኣመዝጊቡ። ዓረዛዘነ በታ ኵዕሶ ኣሽኪዑ ሸቶ ኣመዝጊቡ። ዓረዛዘነ ኵዕሶ ብርእሱ ሃሪሙ ሸቶ ኣመዝጊቡ። ዓረዛዘነ ሓሙሽተ ሸቶታት ኣመዝገበ።

千足虫猛地一踢,球进了。千足虫运球飞快,又进了一球。千足虫跳起来,打了个头球,又得了一分。千足虫一共得了五分。


ደርሆ ብምስዓራ ሓሪቓ። ኣዝያ ሕማቕ ሰነፍ እያ። ዓረዛዘነ መሓዝኡ ከምዚ ኢላ ስለዝተረበጸት ክስሕቕ ጀመረ።

鸡输了,它很生气。千足虫哈哈大笑,因为它的朋友输了球,就无理取闹。


ደርሆ ካብ ምሒር ሕርቃን ኣፋ ሃህ ኣቢላ ብምኽፋት ንዓረዛዘነ ወሓጠቶ።

鸡生气极了,它张开嘴,一口把千足虫吞了下去。


ደርሆ ንቤታ እናተመልሰት ከላ፡ ምስ ኣደ ዓረዛዘነ ተራኺባ። ኣደ ዓረዛዘነ ከምዚ ክትብል ሓቲታታ፡ “ወደይ’ዶ ርኢኺ?” ደርሆ ኣይመለሰትን። ኣደ ዓረዛዘነ ተሻቐለት።

鸡回家的路上,遇到了千足虫妈妈。千足虫妈妈问它:“你看见我的孩子了吗?”鸡什么都没说,千足虫妈妈很担心。


ሽዑ ኣደ ዓረዛዘነ ቀጢን ድምጺ ሰሚዓ። እቲ ድምጺ፡ “ኣደይ ሓግዝኒ!” ኢሉ ዝውጭጭ እዩ ኔሩ። ኣደ ዓረዛዘነ ኣብ ዙርያኣ እናደለየቶ ብጥንቃቐ ኣዳመጸት። እቲ ድምጺ ካብ ውሽጢ እታ ደርሆ እዩ ወጺኡ።

千足虫妈妈突然听到了一阵微弱的声音:“快帮我,妈妈!”千足虫妈妈看了看周围,仔细地听着,声音是从鸡身体里传出来的。


ኣደ ዓረዛዘነ ከምዚ ክትብል ጨደረት፡ “እቲ ፍሉይ ሓይልኻ ተጠቀመሉ ‘ዝ ወደይ!” ዓረዛዘነታት ሕማቕ ሽታን ግናይ መቐረትን ክገብሩ ይኽእሉ እዮም። ደርሆ ሕማም ክስመዓ ጀሚሩ።

千足虫妈妈大喊道:“快用你神奇的能力!”千足虫会产生一种很难闻的味道,会让鸡觉得很恶心。


ደርሆ ጐሲዓ። ሽዑ ጥፍጣፋ ውሒጣ ዓኽ ጡፍ ኢላ። ብድሕሪኡ ሃንጢሳ ስዒላ። መሊሳ ስዒላ። እቲ ዓረዛዘነ ከፈንፍነካ መዓት’ዩ!

鸡打了一个嗝,咕噜咕噜要吐了,又是打喷嚏又是咳嗽。千足虫太恶心了!


ደርሆ ክሳብ ነቲ ኣብ ከስዐኣ ዝነበረ ዓረዛዘነ ኡሑእ ኢላ ተውጽኦ ሰዓል ንሰዓል ኮይና። ኣደ ዓረዛዘነን ወዳን ንኽሕብኡ ፍሕዅ እናበሉ ኣብ ገረብ ደዪቦም።

鸡不停地咳嗽,直到把千足虫从胃里咳了出来。千足虫妈妈和孩子赶紧爬上树,藏了起来。


ካብታ ግዜ ጀሚሮም፡ ደርሆን ዓረዛዘነን ጽልእ እዮም።

从此以后,鸡和千足虫就变成了敌人。


作者: Winny Asara
插图: Magriet Brink
译文: Daniel Berhane Habte
语言: 提格雷尼亚语
级别: 3级
出处: 原文来自非洲故事书Chicken and Millipede
共享创意授权条款
本着作系采用共享创意 署名 3.0 未本地化版本授权条款授权。
选项
返回故事列表 下载 PDF