下载 PDF
返回故事列表

ኖዚበለን እተን ሰለስተ ጸጕርታትን 诺孜贝儿和三根头发

作者 Tessa Welch

插图 Wiehan de Jager

译文 Daniel Berhane Habte

语言 提格雷尼亚语

级别 3级

将整故事念出来 本故事尚未有语音版。


ቅድሚ ነዊሕ ዘመን፡ ሰለስተ ኣዋልድ ዕንጸይቲ ክኣርያ ንበረኻ ወፈራ።

很久很久以前,有三个女孩,她们一起外出找柴火。


ሙቐት ዘለዎ መዓልቲ እዩ ኔሩ እሞ ንኽሕምብሳ ናብቲ ውሕጅ ወረዳ። ኣብቲ ማይ ክጻወታ፡ ክጋጫጨባን ክሕምብሳን ወዓላ።

天很热,她们跳下河游了个泳。她们一边游泳,一边嬉戏,溅出很多水花。


ብሃንደበት፡ ከምዝመሰየ ተገንዘባ። እናቐልጠፋ ናብ ዓደን ተመልሳ።

突然,她们意识到天已经很晚了,匆匆忙忙赶回村子。


ጥቓ ቤተን ምስበጽሓ፡ ኖዚበለ ኢዳ ናብ ክሳዳ ሰደደት። ስልማት ክሳዳ ረሲዓታ! “በጃኽን ንዓናይ ምሳይ ተመለሳ” ክትብል ንመሓዙታ ለመነተን። መሓዙታ ግን ኣዝዩ መስዩ እዩ በላኣ።

当她们快到家的时候,诺孜贝儿摸了摸她的脖子:她把项链落在了外面。于是她请求她的朋友们:“和我一起回去找找吧!”但她的朋友们都说太晚了。


ስለዚ ኖዚበለ ናብቲ ውሕጅ ንበይና ተመልሰት። ስልማት ክሳዳ ረኺባታ ናብ ቤታ ክትከይድ ተጻደፈት። ግና ኣብቲ ጸልማት መንገዲ ጠፊእዋ።

诺孜贝儿一个人回到河边,一找到了项链,就赶忙回家,但天太黑了,她迷路了。


ኣብ ርሑቕ ካብ ሓንቲ ኣጕዶ ዝወጽእ ብርሃን ርኣየት። ብተብተብ ናቡኡ ገጻ ብምቅራብ ኣብቲ ማዕጾ ኳሕኵሐት።

她远远地看见有个小木屋,木屋里有一丝光亮。她跑到木屋门口,敲了敲门。


ዘይተጸበየቶ፡ ሓደ ከልቢ ከፊትዋ “እንታይ ደሊኺ?” ክብል ድማ ሓቲትዋ። “ጠፊአ’የ መሕደሪ ቦታ ድማ እደልይ ኣለኹ፡” በለት ኖዚበለ። “ንዒ እተዊ፡ እንተ ዘየሎ ክነኽሰኪ እየ!” በላ እቲ ከልቢ። ኖዚበለ ድማ ንውሽጢ ኣተወት።

诺孜贝儿吃了一惊,开门的是一只会说话的狗:“你来干嘛?”诺孜贝儿说:“我迷路了,我要找个地方睡觉。”狗回答说:“进来吧,不然我就咬你!”然后诺孜贝儿就进了屋。


ሽዑ እቲ ከልቢ “መግቢ ከሽንለይ” ይብላ። “ኣነ ግና ቅድሚ ሕጂ ንኸልቢ ከሺነ ኣይፈልጥን እየ፡” ኢላ መለሰትሉ። “ከሽኒ ሓደው ክነኽሰኪ እየ!” ይብላ እቲ ከልቢ። ስለዚ ኖዚበለ ነቲ ከልቢ መግቢ ከሸነትሉ።

狗说:“给我做饭!”诺孜贝儿回答说:“但我从来没有给狗做过饭。”狗说:“快做饭,不然我就咬你。”诺孜贝儿没办法,只能给狗做了一些吃的。


ሽዑ እቲ ከልቢ፡ “ዓራተይ ኣንጽፍለይ!” በላ። ኖዚበለ ድማ “ኣነ ግና ቅድሚ ሕጂ ዓራት ናይ ከልቢ ኣንጺፈ ኣይፈልጥን እየ።” ኢላ መለሰትሉ። “ኣንጽፍለይ እንተዘይኮይኑ ክበጅለኪ’የ!” ይብላ። ስለዚ ኖዚበለ ዓራቱ ኣንጸፈትሉ።

狗说:“给我铺床!”诺孜贝儿回答说:“但我从来没有给狗铺过床。”狗说:“快铺床,不然我就咬你。”诺孜贝儿没办法,只能给狗铺了床。


ኵሉ መዓልቲ ነቲ ከልቢ ክትክሽነሉ፡ ክትኵስትረሉን ክትሓጽበሉን ኔርዋ። ሽዑ ሓደ መዓልቲ እቲ ከልቢ፡ “ኖዚበለ ሎሚ ናብ ኣዕሩኽተይ ክበጽሕ ክኸይድ እየ። ቅድሚ ምምላሰይ ምድርቤት ኰስትርዮ፡ መግበይ ከሽንለይ ኣቝሑተይ ድማ ሓጻጽብለይ።” በላ።

诺孜贝儿每天都要给狗做饭,打扫屋子,洗衣服。有一天,狗说:“诺孜贝儿,我今天要出门见朋友。在我回来之前,你要打扫好屋子,做好饭,洗好衣服。”


እቲ ከልቢ ምስከደ፡ ኖዚበለ ብቕጽበት ሰለስተ ጸጕርታት ካብ ርእሳ በንቈሰት። ሓንቲ ጸጕሪ ኣብ ትሕቲ ዓራት ኣቐመጠት፡ ሓንቲ ብድሕሪ ማዕጾ፡ ሓንቲ ድማ ኣብቲ ዛሬባ። ብድሕሪኡ ብምሉእ ዓቕማ ናብ ቤታ ገጻ ሃደመት።

狗一走,诺孜贝儿就从头上拔了三根头发下来。她把一根头发放在床下,一根放在门背后,还有一根放在篱笆上。然后诺孜贝儿用尽全力跑回了家。


እቲ ከልቢ ምስተመልሰ ንኖዚበለ ከናድያ ጀመረ። “ኖዚበለ፡ ኣበይ ኣለኺ?” እናበለ ጨደረ። “ኣብዚ እኔኹ፡ ኣብ ትሕቲ ዓራት፡” በለት እታ ቀዳመይቲ ጸጕሪ። “ኣብዚ ኣለኹ ድሕሪ እዚ ማዕጾ፡” በለት እታ ካልኣይቲ ጸጕሪ። “ኣብዚ እነሃልኹ፡ ኣብ ዛሬባ፡” በለት እታ ሳልሰይቲ ጸጕሪ።

当狗回到家的时候,它开始找诺孜贝儿:“诺孜贝儿,你在哪里?”第一根头发说:“我在这儿,在床底下。”第二根头发说:“我在这儿,在门背后。”第三根头发说:“我在这儿,在篱笆上。”


ሻቡ እቲ ከልቢ ኖዚበለ ከምዘታለለቶ ተረድአ። ስለዚ ብፍጥነት ናብቲ ዓዲ እናጐየየ እናጐየየ ከደ። ኣሕዋት ኖዚበለ ግና ገዘፍቲ ኣባትር ሒዞም ክጽበይዎ ጸንሑ። እቲ ከልቢ ተመሊሱ ሃደመ ካብታ ግዜ ንደሓር’ውን እንደገና ኣይተርኣየን።

狗明白了诺孜贝儿耍的花招。它一路跑到诺孜贝儿的村庄,但是诺孜贝儿的兄弟们正拿着棍子等着它呢!狗见状不妙,赶紧跑开了,从此再也没人见过它。


作者: Tessa Welch
插图: Wiehan de Jager
译文: Daniel Berhane Habte
语言: 提格雷尼亚语
级别: 3级
出处: 原文来自非洲故事书Nozibele and the three hairs
共享创意授权条款
本着作系采用共享创意 署名 3.0 未本地化版本授权条款授权。
选项
返回故事列表 下载 PDF