返回故事列表
ናይ ዓባየይ ባናና
奶奶的香蕉
Ursula Nafula
Catherine Groenewald
Daniel Berhane Habte
本故事尚未有语音版。
ናይ ዓባየይ ሰፈር ኣታኽልቲ ብመሸላ፡ ብልቱግን ካሳቫን ዝመልአ መስተንክር እዩ ዝነበረ። ካብ ኵሉ ዝበለጸ ግናን እቲ ባናና እዩ። ሽሕ’ኳ ንዓባየይ ብዙሓት ደቀደቂ እንተነበርዋ፡ ዝያዳ ኵሎም ንዓይ ትፈትው ከምዝነበረት ብምስጢር እፈልጥ ነበርኩ። ብዙሕ ግዜ ናብ ቤታ ትዕድመኒ ነበረት። ቍሩብ ምስጢራት ድማ ትነግረኒ ነበረት። ሓንቲ ዘይተካፍለኒ ምስጢር ግናን ኔራታ - ባናና ኣበይ ተብስሎ ከምዝነበረት።
奶奶有一座美丽的大花园,里面种满了高粱,杂谷和木薯,但里面最棒的是香蕉。奶奶虽然有很多孙子孙女,但我心里知道她最喜欢我。她常常邀请我去她家,告诉我一些小秘密。但是有一个秘密,她从来没有告诉我,那就是她催熟香蕉的办法。
ሓደ መዓልቲ ብላኻ ዝተሰርሐት ዓባይ ዘንቢል ኣብ ኣፍደገ ቤት ዓባየይ ኣብ ጸሓይ ተሰጢሓ ርኣኹ። ንምንታይ ምዃና ምስሓተትክዋ፡ ዝረኸብክዋ እንኮ መልሲ፡ “እዚኣ ትንግርታዊት ዘንቢለይ እያ።” ትብል እያ። ጥቓ’ታ ዘንቢል፡ ዓባየይ ነናሻዕ እትገላብጦ ብዙሕ ናይ ባናና ኣቝጽልቲ ኔሩ። ክፈልጥ ተሃንጠኹ። “እዚ ኣቝጽልቲ ንምንታይ እዩ ዓባየይ?” ሓተትኩ። እታ ዝረኸብኩዋ መልሲ ግናን “ትንግርታዊ ኣቝጽልተይ እዮም።” ትብል ጥራይ እያ።
有一天,我看到奶奶在门外放了一个巨大的麦秆编成的篮子。我问奶奶这是做什么的,奶奶却只说:“这是我的神秘篮子。”篮子旁边放了几片香蕉叶子,奶奶把叶子来回翻动。我很好奇,问奶奶:“这些叶子是做什么的?”奶奶却只说:“这是我的神秘叶子。”
ንዓባየይ፡ ነቲ ባናና፡ ነቲ ኣቝጽልቲ ባናናን ነታ ዓባይ ናይ ላኻ ዘንቢልን ምርኣይ ኣዝዩ ሰሓቢ እዩ። ግና ዓባየይ ናብ ኣደይ ለኣኸአትኒ። “ዓባየይ በጃኺ ክርእየኪ ከተዳልዊ ከለኺ…” “ኣቲ ቘልዓ፡ ነቓጽ ኣይትኹኒ፡ ዝተባሃልክዮ ግበሪ።” ኢላ ግዲ በለትኒ። እናጐየኹ ተመርቀፍኩ።
我好奇地看着奶奶,香蕉,香蕉叶子还有那个巨大的麦秆编成的篮子。但奶奶却把我打发到妈妈那儿跑腿。我求奶奶:“让我留下来看一看吧!”奶奶却坚持说:“别固执了,按我说的去做。”我只好跑开了。
ምስተመለስኩ፡ ዘንቢል የለ ባናና የለ ዓባየይ ኣብ ደገ ኮፍ ኢላ ጸንሓትኒ። “ዓባየይ ኣበይ ኣላ እታ ዘንቢል፡ ኣበይ ኣሎ እቲ ዅሉ ባናና፡ ኣበይ ኣሎ እቲ …” እታ ዝረኸብክዋ እንኮ መልሲ ግን “ኣብታ ትንግርታዊት ስፍራይ ኣለዉ።” ጥራይ እያ። ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ!
当我回来的时候,奶奶正坐在外面休息,但是篮子和香蕉都不见了!我问奶奶:“篮子去哪儿了?香蕉去哪儿了?还有那些……”奶奶却说:“它们都在一个神秘的地方。”我太沮丧了!
ድሕሪ ክልተ መዓልቲ፡ ምርኵሳ ካብ መደቀሲ ክፍላ ከምጽኣላ ዓባየይ ለኣኸትኒ። ነቲ ማዕጾ ክፍት ምስ ኣበልክዎ፡ ብርቱዕ ጨና ናይ ዝበስል ዘሎ ባናና ሓንጎፋይ በለኒ። እታ ናይ ዓባየይ ዓባይ ትንግርታዊት ናይ ላኻ ዘንቢል ኣብ ውሽጢ’ቲ ክፍሊ ኔራ። ብኣረጊት ኮቦርታ ጽቡቕ ጌራ ተሓቢኣ እያ። ኣልዕል ኣቢለ ነቲ ደስ ዘብል ምኡዝ ሽታ ኣሽተትክዎ።
过了两天,奶奶让我从她的卧室拿拐杖给她。我一打开门,就闻到了熟香蕉的味道。原来奶奶的神秘篮子就放在卧室里!它上面盖了一条旧毯子,我掀起毯子,使劲地闻着那香味。
ዓባየይ “እንታይ ትገብሪ ኣለኺ? ቀልጥፊ እታ ምርኵሰይ ኣምጽእለይ።” ኢላ ምስተዳህየትኒ ድምጻ ኣሰንበደኒ። ነታ ምርኵሳ ሒዘ ቀልጢፈ ወጻእኩ። “እንታይ እዩ ዘስሕቐኪኢ ዘሎ?” ኢላ ዓባየይ ሓተተትኒ። ነታ ትንግርታዊት ቦታኣ ብምርካበይ ተሓጒሰ ጌና ይስሕቕ ከምዝነበርኩ ካብ ሕቶኣ ተገንዘብኩ።
奶奶喊我的时候,我吓了一跳:“你在做什么?快把我的拐杖拿来。”我赶紧把拐杖拿出去给奶奶。奶奶看着我,问:“你在笑什么?”我这才意识到,我还在因为发现了这个神奇的秘密窃笑着。
ንጽባሒቱ ዓባየይ ነ’ደይ ክትበጽሓ ምስመጸት፡ ነተን ባናና እንደገና ክርእየን ናብ ገዝኣ እናጐየኹ ከድኩ። ኣብኡ ሓደ ጥማር ናይ ኣዝዩ ዝበሰለ ባናና ነበረ። ሓንቲ ወሲደ ብትሕቲ ክዳነይ ሓባእክዋ። ነታ ዘንቢል ክድን ኣቢለ ብድሕሪ’ቲ ገዛ ከይደ ብቕልጡፍ በላዕክዋ። ከምኣ ዝጥዕም ባናና በሊዐ ኣይፈልጥን።
第二天,奶奶来看我妈妈,我又跑到奶奶家去偷看那些熟香蕉。有一把香蕉已经非常熟了。我采了一根香蕉,把它藏在我的裙子里。我小心地盖好篮子,跑到房子后面,偷偷地把香蕉吃了:这是我吃过的最美味的香蕉!
ንጽባሒቱ፡ ዓባየይ ኣሕምልቲ ክትቅንጥብ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ከላ ሰላሕ ኢለ ኣትየ ነተን ባናና ርኣኽወን። ዳርጋ ኩለን በሲለን ነበራ። ኣርባዕተ ፍረ ዝነበራኣ ጥማር ክወስድ ኣይተማታእኩን። ብጽፍሪኢ እግረይ ሰላሕ እናበልኩ ናብ ደገ ክወጽእ ከለኹ፡ ዓባየይ ኣብ ደገ ክትስዕል ሰማዕክዋ። ነተን ባናና ኣብ ትሕቲ ክዳነይ ሓቢአየን ሓሊፈያ ከድኩ።
第二天,我趁奶奶在花园里摘蔬菜的时候,偷偷跑进房间,去看那些香蕉,香蕉差不多全都熟了。我禁不住诱惑,拿了四根香蕉。我踮起脚离开房间,听到奶奶在咳嗽。我把香蕉藏在裙子下面,若无其事地走开了。
ንጽባሒቱ መዓልቲ ዕዳጋ ነበረ። ዓባየይ ብኣጋኡ ተንስአት። ኵሉ ግዜ ዝሽየጥ ብሱል ባናናን ካሳቫን ሒዛ ናብቲ ዕዳጋ ትኸይድ ነበረት። ኣብታ መዓልቲ ንኽበጽሓ ኣይተሃወኽኩን። እንተኾነ ግን ከይርኣኽዋ ነዊሕ ግዜ ክጸንሕ ኣይክእልን እየ።
第二天是奶奶赶集的日子。奶奶很早就醒来了,她把成熟的香蕉和木薯运到集市上去卖。我那天没有急着去看她,但我知道,我不可能永远躲着奶奶。
ዳሕራይ ንምሸቱ ኣደይ፡ ኣቦይን ዓባየይን ጸውዑኒ። ንምንታይ ከምዝኾነ ተረደኣኒ። እታ ምሸት ምስደቀስኩ፡ ዳግም፡ ካብ ዓባየይ፡ ካብ ወለደይ፡ ብርግጽ ድማ ካብ ዝኾነ ካልእ ሰብ ክሰርቕ ከምዘይክእል ፈለጥኩ።
那天傍晚,我被爸爸、妈妈和奶奶叫过去。我知道他们为什么找我。那天晚上,当我上床睡觉的时候,我知道我再也不会偷东西了,不偷奶奶的,不偷爸妈的,不从任何人那里偷东西。
作者: Ursula Nafula
插图: Catherine Groenewald
译文: Daniel Berhane Habte