下载 PDF
返回故事列表

ዓመታዊ ዕረፍቲ ምስ ኣደ-ዓባይ 和奶奶一起过暑假

作者 Violet Otieno

插图 Catherine Groenewald

译文 Daniel Berhane Habte

语言 提格雷尼亚语

级别 4级

将整故事念出来 本故事尚未有语音版。


ኦዶንጎን ኣፒዮን ምስ ኣቦኦም ኣብ ከተማ ይነብሩ ነበሩ። ዓመታዊ ዕረፍቶም ብሃንቀውታ ይጽበዩ ነበሩ። ትምህርቲ ስለዝዕጾ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ናብ ዓባዮም ክበጽሑ ክኸዱ ስለዝኾኑ እምበር። ዓባዮም ኣብ ጥቓ ሓደ ዓቢ ቀላይ ዝርከብ ዓዲ ገፈፍቲ ዓሳ እያ ትቕመጥ ዝነበረት።

欧东格、阿皮尤和他们的爸爸一起生活在城市里。他们非常期待过暑假,因为那个时候他们不用去学校,而且他们还可以去看奶奶。他们的奶奶住在一个渔村里,靠近一片很大的湖泊。


ዳግም ንዓባዮም ዝበጽሑሉ ግዜ ስለዝኣኸለ ኦዶንጎን ኣፒዮን ኣዝዮም ተሃወኹ። ድሮ’ታ ዕለት ዘነበረት ምሸት፡ ሳንጣኦም ጠርኒፎም ናብቲ ዓዲ ነዊሕ ንኽጓዓዙ ተዳለዉ። ክድቅሱ ኣይክኣሉን ምሉእ ምሸት ድማ ብዛዕባ እቲ ዓመታዊ ዕረፍቲ ክዛረቡ ኣምሰዩ።

欧东格和阿皮尤又要去看奶奶了,他们非常高兴。前一天晚上,他们整理好了自己的行装,准备踏上前往渔村的旅程。他们晚上睡不着,整晚都在讨论这个暑假。


ንጽባሒቱ ጋሕጋሕ ንግሆ፡ ኣብ ናይ ኣቦኦም ማኪና ተሳፊሮም ናብቲ ዓዲ ተበገሱ። ጎቦታት፡ እንስሳታት ዘገዳምን ሕርሻታት ቆጽሊ ሻሂን ሓሊፎም ተሓንበቡ። ማካይን ቈጸሩ ደርፍታት ድማ ደረፉ።

第二天凌晨,他们坐着爸爸的车前往那个渔村。他们开过了山丘,路上看到了很多野生动物,经过了几个茶园。他们唱着歌数着路上的车辆。


ድሕሪ ሓጺር ግዜ፡ እቶም ቆልዑ ደኸሙ ድቃስ እውን ወሰዶም።

过了一会儿,孩子们累了,就在车里睡着了。


ኣብቲ ዓዲ ምስበጽሑ ኣቦኦም ንኦዶንጎን ኣፒዮን ኣተንሶኦም። ንዓባዮም ንያር ካንያዳ ኣብ ትሕቲ ገረብ ኣብ መንጸፍ ኣዕሪፋ ረኸብዋ። ንያር ካንያዳ ብቋንቋ ሉዎ ‘ጓል ህዝቢ ካንያዳ’ ማለት እዩ። ንሳ ንፍዕትን ጽብቕትን ሰበይቲ እያ ዝነበረት።

当他们到达那个渔村的时候,爸爸把欧东格和阿皮尤叫醒了。他们发现他们的奶奶——尼亚·坎亚达——在树荫里铺了一块垫子,正坐在上面休息。在当地的语言里,这个名字的意思是“坎亚达人民的女儿”。她是一个坚强美丽的女性。


ንያር ካንያዳ ናብቲ ቤት ብሓጐስ ተቐበለቶም ኣብ ዙርያ ናይቲ ክፍሊ ድማ ብደስታ እናደረፈት ሳዕስዐት። ደቂ ደቃ ካብ ከተማ ዘምጽእዎ ህያባት ክህብዋ ተሃወኹ። “መጀመርታ ናተይ ህያብ ክፈትያ፡” በለ ኦዶንጎ። “ኣይፋል፡ ናተይ ቅድም!” በለት ኣፒዮ።

尼亚·坎亚达欢迎他们来到自己的家里,和他们一起快乐地唱歌跳舞。他们的孙子也很高兴地把他们在城里买的礼物送给她。欧东格和阿皮尤吵着要奶奶先打开自己的礼物。


ነቲ ህያባት ምስከፈተቶ፡ ንያር ካንያዳ ንደቂ ደቃ ብባህላዊ ልምዲ መረቐቶም።

尼亚·坎亚达打开了礼物后,用传统的习俗祝福了她的孙儿们。


ሻቡ ኦዶንጎን ኣፒዮን ናብ ግዳም ወጹ። ደድሕሪ ጽንብላሊዕን ኣዕዋፍን ተጓየዩ።

欧东格和阿皮尤跑出去玩儿了,他们追着蝴蝶和鸟儿,在它们后面跑。


ኣግራብ ደየቡ ኣብቲ ቀላይ ድማ ተገጫጨቡ።

他们还爬树,跳进湖里,溅起了很多水花。


ምስመሰየ ንኽድረሩ ናብቲ ገዛ ተመልሱ። ቅድሚ ድራሮም በሊዖም ምውዳኦም፡ ድቃስ ሰዓሮም!

天黑了,他们回到奶奶的家里吃晚饭,但他们太累了,还没吃完,就睡着了。


ንጽባሒቱ፡ ኣቦ’ዞም ቈልዑ ንዓኣቶም ምስ ንያር ካንያዳ ገዲፉዎም ናብቲ ከተማ ተመልሰ።

第二天,爸爸开车回城了,把孩子们留给奶奶。


ኦዶንጎን ኣፒዮን ንዓባዮም ኣብ ስራሕ ገዛ ሓገዝዋ። ማይን ዕንጸይቲ ንሓውን ኣምጽኡላ። ካብተን ደርሁ እንቋቍሖታት ኣከቡ ካብቲ ስፍራ ኣታኽልቲ ድማ ኣሕምልቲ ቀንጢቦም ኣምጽኡ።

欧东格和阿皮尤帮助奶奶做家务。他们帮奶奶拎水,运柴。他们还帮奶奶从鸡窝里拿鸡蛋,在花园里摘蔬菜。


ንያር ካንያዳ ንደቂ ደቃ ልስሉስ ጋዓት ከመይ ኣሽሊቝካ ከምዝስራሕ መሃረቶም። ሩዝ ኮኮናት ምስ ቅልዋ ዓሳ ከመይ ጌርካ ከምዝስራሕ ኣርኣየቶም።

尼亚·坎亚达教他们煮乌咖喱,还教他们怎么做和烤鱼一起吃的椰子饭。


ሓደ ንግሆ፡ ኦዶንጎ ናይ ዓባዩ ከብቲ ሳዕሪ ክበልዓ ሒዝወን ከደ። እተን ከብቲ ናብ ናይ ጐረቤት ሕርሻ ጥሒሰን ኣተዋ። እቲ ሓረስታይ ንኦዶንጎ ኰረየሉ። ዘራእቱ ስለዝበልዓሉ ነተን ከብቲ ክዘርዐን ምዃኑ ፈከረሉ። ድሕሪ’ታ መዓልቲ፡ ኦዶንጎ ዳግማይ ናብ ሽግር ከየእትወኦ ብምፍራሕ ነተን ከብቲ ተጠንቂቑ ክሕልወን ጀመረ።

一天早上,欧东格帮奶奶去牧场上放牛,但是牛跑到了邻居的农场上,邻居很生气,威胁欧东格说,要没收了这些牛作为踩坏粮食的赔偿。从那天以后,欧东格很小心,不想再让这些牛惹麻烦了。


ካልእ መዓልቲ እዞም ቈልዑ ምስ ንያር ካንያዳ ናብ ዕዳጋ ከዱ። ዓባዮም ኣሕምልቲ፡ ሽኮርን ሳሙናን እትሸጠላ ንእሽቶ ድኳን ነበረታ። ኣፒዮ ዋጋ ናይቲ ነገራት ንዓማዊል ምንጋር ትፈቱ ነበረት። ኦዶንጎ ድማ ነቲ ዓማዊል ዝገዝእዎ ነገራት ይዕሽግ ነበረ።

有一天,孩子们和尼亚·坎亚达一起去集市上。奶奶有一个卖蔬菜、糖和肥皂的摊位。阿皮尤给顾客们报价钱,欧东格帮着顾客打包。


ኣማስይኡ ብሓባር ሻሂ ሰተዩ። ነቲ ዘእተወቶ ገንዘብ ኣብ ምፍቃድ ንዓባዮም ሓገዝዋ።

这天的工作结束后,他们坐在一起喝茶,帮奶奶数了数这天赚到的钱。


ግዜ ከይተፈለጦም ዓመታዊ ዕረፍቶም ስለዝተወደአ እቶም ቆልዑ ናብ ከተማ ክምለሱ ኔርዎም። ንያር ካንያዳ ንኦዶንጎ ቆብዕ ንኣፒዮ ድማ ጐልፎ ሃበቶም። ንመንገዶም ዝኸውን መግቢ ድማ ቈጸረትሎም።

很快,假期就结束了,孩子们要回城了。尼亚·坎亚达送给欧东格一顶帽子,送给阿皮尤一件毛衣。她帮孩子们装了点食物在路上吃。


ኣቦኦም ክወስዶም ምስመጸ ክሰናበቱ ኣይደለዩን። እቶም ቈልዑ ንንያር ካንያዳ ምስኦም ናብ ከተማ ክትከይድ ለመንዋ። ፍሽኽ ብምባል፡ “ኣነ ኣዝየ ኣሪገ እየ፡ ናብራ ከተማ ኣይክእሎን እየ። እንደገና ናብዚ ክትመጹ ክጽበየኩም እየ።” በለቶም።

当爸爸来接他们的时候,他们一点儿都不想走。孩子们求尼亚·坎亚达和他们一起去城里。她笑着说:“我太老了,不适合住在大城市里。我就在这个村子里面等你们,等你们下次再来。”


ኦዶንጎን ኣፒዮን ጥምጥም ኣቢሎም ሓቘፍዋ ደሓን ኩኒ ድማ በልዋ።

欧东格和阿皮尤紧紧地抱着她,跟她告别。


ኦዶንጎን ኣፒዮን ናብ ቤት ትምህርቶም ምስተመልሱ ንኣዕሩኽቶም ብዛዕባ ናይ ገጠር ሂወት ኣዕለልዎም። ገለ ተማሃሮ ሂወት ከተማ ዝጽብቕ መሰሎም። ካልኦት ገጠር ዝሓይሽ ኮይኑ ተሰምዖም። ካብ ኵሉ ግን፡ ንኦዶንጎን ኣፒዮን ብልጽቲ ኣደ-ዓባይ ከምዘላቶም ኵሎም ተሰማምዑ!

当欧东格和阿皮尤回到学校时,他们把村子里的生活告诉了伙伴们。一些人觉得城市生活很不错,另一些人觉得乡村生活更好。最重要的是,每个人都相信欧东格和阿皮尤的奶奶太棒啦!


作者: Violet Otieno
插图: Catherine Groenewald
译文: Daniel Berhane Habte
语言: 提格雷尼亚语
级别: 4级
出处: 原文来自非洲故事书Holidays with grandmother
共享创意授权条款
本着作系采用共享创意 署名 4.0 未本地化版本授权条款授权。
选项
返回故事列表 下载 PDF