下载 PDF
返回故事列表

ሓፍቲ ቩሲ እንታይ በለት 福思的姐姐说了什么

作者 Nina Orange

插图 Wiehan de Jager

译文 Daniel Berhane Habte

语言 提格雷尼亚语

级别 4级

将整故事念出来 本故事尚未有语音版。


ሓደ ንግሆ ብጊሓቱ፡ ንቩሲ ዓባዩ ጸውዓቶ’ሞ፡ “ቩሲ ነዛ እንቋቝሖ እንዶ ግዳ ናብ ወለድኻ ውሰዳ። ንመርዓ ሓፍትኻ ዓቢ ቶርታ ክሰርሑ ደልዮም ኣለዉ።” በለቶ።

一天早上,福思的奶奶唤他过来说:“福思,你带着这个鸡蛋去你爸妈那儿吧!他们要为你姐姐的婚礼做一个大蛋糕。”


ናብ ወለዱ እናኸደ እንከሎ፡ ቩሲ ክልተ ኣወዳት ፍረታት ክቕንጥቡ ረኸበ። ሓደ ካብኣቶም ነታ እንቋቝሖ ካብ ቩሲ ወሲዱ ናብ ሓደ ገረብ ወርዊሩ ዘበጣ። እታ እንቋቝሖ ተሰብረት።

福思带着鸡蛋上了路,他遇到了两个正在采水果的男孩。其中一个男孩抓过鸡蛋,朝着果树扔过去,鸡蛋破了。


“እንታይ ኢኻ ዝገበርካ?” ኢሉ ቩሲ ጨደረ። “እዛ እንቋቝሖ ንመስርሒ ቶርታ እያ ኔራ። እቲ ቶርታ ድማ ንናይ ሓፍተይ መርዓ እዩ ኔሩ። ናይ መርዓ ቶርታ እንተዘየለ ሓፍተይ እንታይ ክትብል እያ?”

福思哭了:“你做了什么?那个鸡蛋是用来做蛋糕的,这个蛋糕是送给我姐姐结婚的礼物。没了蛋糕,我姐姐会说什么?”


እቶም ኣወዳት ንቩሲ ስለዘላገጹሉ ተጣዕሱ። “ብዛዕባ’ታ ቶርታ ክንሕግዘካ ኣይንኽእልን ኢና፡ ግና እንካ’ዛ ምርኵስ ንሓፍትካ።” በለ ሓደ ካብኣቶም። ቩሲ መንገዱ ቀጸለ።

男孩们觉得很抱歉,他们不应该嘲弄福思。其中一个男孩说:“我们没办法帮你做蛋糕,但是我们这儿有一根拐杖,可以送给你姐姐。”福思带上了拐杖,继续上路。


እናተጓዓዘ እንከሎ ክልተ ሰብኡት ቤት እናሃነጹ ረኸበ። “እዛ ተራር በትሪ ክንጥቀመላ’ዶ?” ክብል ሓደ ካብኣቶም ሓተተ። እታ በትሪ ግና ነቲ ህንጻ እትበቅዕ ተራር ኣይነበረትን’ሞ ተሰብረት።

福思在路上碰到了两个造房子的工人。其中一个工人问他:“我们可以借用一下那根木棍吗?”但是木棍不是很结实,它断了。


“እንታይ ኢኹም ዝገበርኩም?” ኢሉ ቩሲ ጨደረ። “እዛ በትሪ ህያብ ንሓፍተይ እያ ኔራ። እቶም ቀንጠብቲ ፍረታት እዛ በትሪ ሂቦሙኒ ምኽንያቱ ነታ እንቋቝሖ ናይ ቶርታ ስለዝሰበሩለይ። እታ ቶርታ ንመርዓ ሓፍተይ እያ ኔራ። ሕጂ እንቋቝሖ የለን፡ ቶርታ የለን፡ ህያብ’ውን የለን። ሓፍተይ እንታይ ክትብል እያ?”

福思哭了:“你做了什么?那根木棍是摘水果的人给我的,因为他们打碎了用来做蛋糕的鸡蛋。那个蛋糕是送给我姐姐结婚的礼物。没了鸡蛋,没了蛋糕,没了礼物,我姐姐会说什么?”


እቶም ሃነጽቲ ነታ በትሪ ምስባሮም ሓዘኑ። “ብዛዕባ እታ ቶርታ ክንሕግዘካ ኣይንኽእልን ኢና፡ እንተዀነ ግና እነሀልካ’ዚ ሒደት ሓሰር ንሓፍትኻ።” በለ ሓደ ካብኦም። ስለዚ ድማ ቩሲ መንገዱ ቀጸለ።

造房子的工人觉得很抱歉,因为他们弄断了木棍。其中一个工人说:“我们没办法帮着做蛋糕,但我这儿有一些茅草,可以送给你姐姐。”福思带上茅草,继续上路。


ቩሲ ኣብ መንገዱ ሓደ ሓረስታይ ምስ ላሙ ኣጋጠምዎ። “ክንደይ ይምቅር’ዝ ሓሰር፡ ቍሩብ’ዶ ክጥዕመልካ?” ሓተተት እታ ላም። እቲ ሓሰር ግና ኣዝዩ ጥዑም ነበረ’ሞ እታ ላም በሊዓ ወድኣቶ።

在路上,福思遇到了一个农民和一头奶牛。奶牛说:“多么美味的茅草啊!我可以尝一尝吗?”但是茅草太美味了,奶牛把茅草全吃光了!


“እንታይ ኢኺ ዝገበርኪ?” ኢሉ ቩሲ ጨደረ። “እታ ጥማር ሓሰር ህያብ ንሓፍተይ እያ ኔራ። እቶም ሃነጽቲ እታ ጥማር ሓሰር ሂቦሙኒ ምኽንያቱ ነታ ካብ’ቶም ቀንጠብቲ ፍረታት ዝረኸብክዋ በትሪ ስለዝሰበሩለይ። እቶም ቀንጠብቲ ፍረታት እታ በትሪ ሂቦሙኒ ምኽንያቱ ነታ እንቋቝሖ ናይ ቶርታ ስለዝሰበሩለይ። እታ ቶርታ ንመርዓ ሓፍተይ እያ ኔራ። ሕጂ እንቋቝሖ የለን፡ ቶርታ የለን፡ ህያብ’ውን የለን። ሓፍተይ እንታይ ክትብል እያ?”

福思哭了:“你做了什么?那些茅草是给我姐姐的礼物。造房子的工人给了我那些茅草,因为他们弄断了摘水果的人给我的木棍。摘水果的人给了我木棍,因为他们把做蛋糕的鸡蛋打破了。那个蛋糕是给我姐姐结婚的礼物。现在鸡蛋、蛋糕、礼物都没了。我的姐姐会说什么?”


እታ ላም ስስዕቲ ብምንባራ ተጣዕሰት። እቲ ሓረስታይ ላሙ ህያብ ንሓፍቱ ክትከውን ምስቲ ወዲ ኽትከይድ ተሰማምዐ። ሽዑ ቩሲ ቀጸለ።

奶牛很抱歉,因为它太自私了。农民决定让奶牛跟着福思,作为礼物送给他姐姐。福思继续上路了。


ኰይኑ ግና ብግዜ ድራር እታ ላም ሃዲማ ናብቲ ሓረስታይ ተመልሰት። ቩሲ ድማ ኣብ መንገዲ ጠፍአ። ኣብ ናይ ሓፍቱ መርዓ ድማ ደንጕዩ በጽሐ። ኣጋይሽ ድሮ ይበልዑ ነበሩ።

但是,到了吃晚饭的时候,奶牛跑回农场了,福思也迷路了。他很晚才到姐姐的婚礼上,客人们已经在吃饭了。


“እንታይ ክገብር እየ” ክብል ቩሲ ጨደረ። “እታ ዝሃደመት ላም ህያብ እያ ኔራ፡ ኣምሳያ ናይቲ እቶም ሃነጽቲ ዝሃቡኒ ጥማር ሓሰር። እቶም ሃነጽቲ እታ ጥማር ሓሰር ሂቦሙኒ ምኽንያቱ ነታ ካብ’ቶም ቀንጠብቲ ፍረታት ዝረኸብክዋ በትሪ ስለዝሰበሩለይ። እቶም ቀንጠብቲ ፍረታት እታ በትሪ ሂቦሙኒ ምኽንያቱ ነታ እንቋቝሖ ናይ ቶርታ ስለዝሰበሩለይ። እታ ቶርታ ነቲ መርዓ እያ ኔራ። ሕጂ እንቋቝሖ የለን፡ ቶርታ የለን፡ ህያብ’ውን የለን።”

福思哭了:“我该怎么办?奶牛本来是农民送给我的礼物,因为奶牛吃了建筑工人给我的茅草。建筑工人给我茅草,因为他们折断了摘水果的人给我的木棍。摘水果的人给了我木棍,因为他们打破了做蛋糕的鸡蛋。那个蛋糕是给我姐姐结婚的礼物。现在,鸡蛋没了,蛋糕没了,礼物也没了。”


ሓፍቲ ቩሲ ንቝሩብ እዋን ድሕሪ ምሕሳብ፡ ከምዚ በለት፡ “ቩሲ ሓወይ ብዛዕባ ህያባት ክሳዕ ክንድቲ ኣይግደስን እየ። ዋላ ብዛዕባ እታ ቶርታ’ውን ከበር የብለይን! ኵልና ኣብዚ ብሓንሳብ ምህላውና ተሓጒሰ ኣለኹ። ሕጂ ኪድ እቲ ዘምሕረልካ ክዳውንትኻ ልበስ’ሞ ነዛ መዓልቲ ንጸምብላ!” በለቶ። ቩሲ ድማ ከምኡ ገበረ።

福思的姐姐想了一会儿,她说:“我亲爱的兄弟,我不在乎有没有礼物。我们今天聚在这里,我就很高兴了。穿上你漂亮的衣服,我们一起庆祝吧!”福思就照着她的话做了。


作者: Nina Orange
插图: Wiehan de Jager
译文: Daniel Berhane Habte
语言: 提格雷尼亚语
级别: 4级
出处: 原文来自非洲故事书What Vusi's sister said
共享创意授权条款
本着作系采用共享创意 署名 3.0 未本地化版本授权条款授权。
选项
返回故事列表 下载 PDF