تحميل بصيغة PDF
العودة لقائمة القصص

ማጎዝወ ماقزوي

كُتِب بواسطة Lesley Koyi

رسمة بواسطة Wiehan de Jager

بترجمة Daniel Berhane Habte

لغة التغرينية

مستوى المستوى 5

سرد للقصة كاملة الصوت لهذه القصة غير متوفر.


ኣብታ ዕምርቲ ከተማ ናይሮቢ፡ ሓልዮት ካብ ዘለዎ ህይወት ቤቶም ኣዝዮም ርሒቖም፡ ብሓባር ዝነብሩ ጕጅለ ተናበይቲ ጐደና ነበሩ። ንነፍሲወከፍ መዓልቲ ከምዝመጸታ ይገጥምዋ። ሓደ ንግሆ፡ እዞም ኣወዳት ኣብቲ ቈራሪ መገዲ-ኣጋር ደቂሶም ድሕሪ ምሕዳር መንጸፎም ይጠራንፉ ነበሩ። ካብ ቍሪ ንምክልኻል ጓሓፍ ኣራርዮም ሓዊ ኣናኸሱ። ኣብ መንጎ’ዞም ጕጅለ ኣወዳት ማጎዝወ ነበረ። ንሱ ካብ ኵሎም ዝነኣሰ እዩ።

في مدينة نيروبي الصاخبة، بعيداً عن الحياة العائلية ودفئها، يعيش مجموعة من الصبيان بدون مأوى. كانوا يستقبلون كل يوم كما يأتي، لا أمل لهم فيه. وفي صباح أحد الأيام، أخذ الأطفال يحزمون حصائرهم بعد النوم على الأرصفة الباردة، ثم أشعلوا ناراً مما وجدوه من قمامة لمقاومة البرد. كان ماقزوي أحد هؤلاء الصبيان وكان أصغرهم سناً.


ወለዱ ክሞቱ ከለዉ፡ ማጎዝወ ገና ወዲ ሓሙሽተ ዓመት’ዩ ኔሩ። ምስ ሓወቦኡ ክነብር ጀመረ። እዚ ሰብኣይ ነዚ ቈልዓ ሓልዮት ኣይነበሮን። ንማጎዝወ እኹል መግቢ ኣይህቦን’ዩ ኔሩ። ከቢድ ስራሕ ድማ የስርሖ ነበረ።

كان ماقزوي يبلغ من العمر خمس سنوات عندما توفي والداه، فانتقل للعيش مع خاله. لكن هذا الرجل لم يكترث بالطفل ولم يوفر له القدر الكافي من الطعام كما كان يجبره على القيام بأعمال شاقة.


ማጎዝወ ምስዘዕዘምዝም ወይ ምስዝቃወም፡ ሓወቦኡ ይቕጥቅጦ። ማጎዝወ ትምህርቲ ክጅምር’ዶ ኢሉ ምስዝሓቶ፡ ሓወቦኡ ይሃርሞ፡ “ንስኻ ሓንቲ ክትምሃር ዘይትኽእል ደንቆሮ ኢኻ።” ድማ ይብሎ። ሰለስተ ዓመታት ብኸምዚ ምስሓዞ ማጎዝወ ካብ ሓወቦኡ ሃዲሙ ወጸ። ኣብ ጐደና ክነብር ጀመረ።

وكان أيضاً يضربه كلما استفسر ماقزوي عن أمر أو تذمر من كثرة العمل. وعندما طلب ماقزوي من خاله أن يسمح له بالذهاب إلى المدرسة ضربه من جديد قائلا: “أنت غبي جدا ولن تتعلم أي شيء”. وبعد ثلاث سنوات من هذه المعاملة القاسية، هرب ماقزوي من خاله وبدأ يعيش في الشارع.


ናብራ ግዳም-ሓደር ከቢድ እዩ፡ ዝበዝሑ ካብቶም ቆልዑ ነዛ መግቢ’ኳ ንምርካብ ኣዝዮም ተጸገሙ። ሓደሓደ ግዜ ይእሰሩ። እንሓንሳእ’ውን ይግረፉ ነበሩ። ኣብ ዝሓሙሉ ግዜ፡ ዝረድእ ኣይነበሮምን። እታ ጕጅለ ኣብ’ቲ ለሚኖም ከምኡ’ውን ጎማን ካልእ ዝተደርበዩ ነገራትን ሸይጦም ዝረኽብዎ ቍሩብ ቍራቦ ገንዘብ እያ ትምርኰስ። ምስ ካልኦት፡ ነቲ ክፋል ናይታ ከተማ ክቈጻጸሩ ዝደልዩ ተጻረርቲ ጕጅለታት ዝለዓል ባእሲ ነቲ ሂወት ዝያዳ ዝመረረ ይገብሮ።

كانت الحياة في الشارع صعبة وكان أغلب الأطفال يعانون يومياً من أجل لقمة العيش. فكانت الشرطة تلقي عليهم القبض أحياناً، وأحياناً أخرى كانوا يتعرضون للضرب. وكانوا إذا ما مرضوا لا يجدون من يقدم لهم يد المساعدة. كانت مجموعة الأطفال تعتمد على النزر القليل من المال الذي كانوا يحصلون عليه من التسول ومن بيع البلاستيك ومواد أخرى مما تقع إعادة تدويره. كانت الحياة تزداد صعوبة خاصة بسبب المعارك التي تحدث بين جماعات الأطفال المتنافسة من أجل السيطرة على أحياء المدينة.


ሓደ መዓልቲ ማጎዝወ ኣብቲ እንዳ ጓሓፍ እናኣረየ እንከሎ፡ ሓንቲ ኣሪጋ ዝተበጣጠሰት መጽሓፍ ዛንታታት ረኸበ። ደሮናኣ ነጋጊፉ ኣብ ሳንጣኡ ኣእተዋ። ካብታ መዓልቲ ጀሚሩ ወትሩ ነታ መጽሓፍ እናኣውጸአ ነቲ ስእልታት ይርእይ ነበረ። ነቶም ቃላት ከንብቦም ኣይክእልን ነበረ።

وفي يوم من الأيام، بينما كان ماقزوي يبحث في صناديق القمامة عن شيء يأكله، إذ به يجد مجموعة قصص رثة ممزقة. قام ماقزوي بتنظيف القصص من الأوساخ ووضعها في جرابه. وكان كل يوم يخرج الكتاب من كيسه وينظر إلى الصور، إذ لم يكن ماقزوي يعرف قراءة الكلمات.


እቲ ስእልታት ዛንታ ናይ ሓደ ምስ ዓበየ ኣብራሪ ነፋሪት ክኸውን ዝበቕዐ ወዲ እዩ ዝትርኽ። ማጎዝወ ድማ ኣብራሪ ነፋሪት ክኸውን ሃረር በለ። እንሓንሳእ፡ እቲ ኣብ ዛንታ ዘሎ ወዲ ባዕሉ ንሱ ኮይኑ ይስምዖ ነበረ።

كانت الصور تحكي قصة طفل نشأ ليكون طياراً. أصبح ماقزوي يمضي يومه حالماً بأن يكون طياراً، وكان من حين لآخر يرى نفسه مكان ذاك الولد الذي تصفه الصور.


ዛሕሊ ኔሩ ማጎዝወ ድማ ክልምን ኣብቲ ጐደና ደው ኢሉ ነበረ። ሓደ ሰብኣይ ናብኡ ገጹ ሰጐመ። “ሰላም፡ ቶማስ እበሃል። ኣብዚ ከባቢ፡ ገለ ዝብላዕ ነገር ክትረኽበሉ ኣብ ትኽእል ቦታ፡ እሰርሕ።” ድሕሪ ምባል ናብ ሓንቲ ሰማያዊ ዝናሕሳ ብጫ ገዛ ኣመልከተ። “መግቢ ንኽትረክብ ናቡኡ ክትከይድ ተስፋ እገብር?” ክብል ተወከሶ። ማጎዝወ ሓንሳብ ናብቲ ሰብኣይ ሓንሳብ ድማ ናብታ ገዛ ድሕሪ ምጥማት፡ “ምናልባት፡” ኢሉ፡ ገዲፍዎ ከደ።

كان الجو بارداً وكان ماقزوي يقف متسولاً في الطريق عندما تقدم إليه رجل قائلا: “أهلاً… أنا توماس. أعمل قريباً من هنا، في مكان يمكن أن تجد فيه شيئاً تأكله”. وأشار بإصبعه إلى منزل أصفر ذي سقف أزرق، وسأل ماقزوي: “ألا ترغب في الذهاب إلى هناك لتناول بعض الطعام؟”. نظر ماقزوي إلى الرجل ثم إلى المنزل وقال: “ربما” وانصرف بعيداً.


ኣብተን ዝሰዓባ ኣዋርሕ፡ እዞም ተናበይቲ ጐደና ንቶማስ ብብዝሒ ኣብቲ ከባቢ ይርእይዎ ነበሩ። ንሱ ምስ ሰባት፡ ብፍላይ ድማ ምስ ተናበይቲ ጐደና ክዘራረብ ይፈቱ ነበረ። ቶማስ ዛንታታት ሂወት ናይ ሰባት ይሰምዕ ነበረ። ዕቱብን ዕጉስን ኢዩ ኔሩ፡ ብፍጹም ደፋር ወይ ስዲ ኣይነበረን። ገለ ካብቶም ኣወዳት ፋዱስ ፋዱስ ናብታ ብጫን ሰማያውን ገዛ ብምኻድ መግቢ ክረኽቡ ጀመሩ።

توالت الأشهر بعد ذلك، وتعود الأولاد المشردون على رؤية توماس يرتاد المكان الذي يتواجدون فيه. كان يحب الحديث إلى الناس، وخاصة من كانوا يعيشون في الشوارع. كان يستمع إلى قصص حياتهم. وكان جدياً، صبوراً، ولم يكن قاسياً أبداً ولا قليل الاحترام لهم. بدأ بعض الصبيان يترددون على المنزل ذي اللونين الأصفر والأزرق للحصول على ما يسد رمقهم عند منتصف النهار.


ማጎዝወ ኣብቲ መገዲ-ኣጋር ኮፍ ኢሉ ነታ ናይ ስእሊ መጽሓፉ እናተዓዘበ እንከሎ ቶማስ ኣብ ጐድኑ ኮፍ ብምባል፡ “ብዛዕባ እንታይ እያ እዛ ዛንታ?” ክብል ሓተቶ። “ብዛዕባ ሓደ ምስ ዓበየ ኣብራሪ ነፋሪት ዝኸውን ወዲ እያ፡” ኢሉ ማጎዝወ መለሰ። “መን እዩ ስሙ እቲ ወዲ?” ክብል ቶማስ ሓተቶ። “እንድዒ፡ ኣየንብብን እየ፡” በለ ማጎዝወ ህድእ ኢሉ።

كان ماقزوي يوما ما جالساً على الرصيف يتأمل كتاب الصور عندما جلس توماس لجانبه وسأله: “عما تحكي هذه القصة؟”. أجاب ماقزوي: “عن ولد أصبح طياراً”. قال توماس: “ما اسم هذا الولد؟” أجاب ماقزوي بهدوء: “لا أعرف. لا أستطيع القراءة”.


ምስተራኸቡ፡ ማጎዝወ ናይ ገዛእርእሱ ዛንታ ንቶማስ ክነግሮ ጀመረ። እቲ ዛንታ ናይ ሓወቦኡን ስለምታይ ካቡኡ ከምዝሃደመን እዩ። ቶማስ ብዙሕ ኣይዛረብን እዩ፡ ንማጎዝወ’ውን እንታይ ክገብር ከምዘለዎ ኣይነገሮን፡ ግን ኵሉ ግዜ ተጠንቂቑ ይሰምዖ ነበረ። እንሓንሳእ ኣብ ውሽጢ’ታ ሰማያዊ ዝናሕሳ ገዛ እናበልዑ የዕልሉ።

عندما تقابلا، بدأ ماقزوي يسرد قصته على توماس، قصته مع خاله وكيف هرب منه. لم يتكلم توماس كثيرا، ولم يُمْلِ على ماقزوي ما يجب عليه فعله، لكنه كان يصغي إليه بانتباه طوال الوقت. وكانا أحياناً يواصلان حديثهما بينما يتناولان الطعام في المنزل ذي السقف الأزرق.


ኣብ ከባቢ ዓስራይ ዕለተ ልደቱ ንማጎዝወ፡ ቶማስ ሓንቲ ሓዳስ ናይ ዛንታ መጽሓፍ ሂብዎ። እታ ዛንታ ብዛዕባ ሓደ ምስዓበየ ውሩይ ተጻዋታይ ኩዕሶ ዝኸውን ወዲ ገጠር እያ። ቶማስ እታ ዛንታ ንማጎዝወ ብዙሕ ግዜ ድሕሪ ምንባብ፡ ሓደ መዓልቲ ከምዚ በሎ፡ “ሕጂ ንስኻ ናብ ቤት ትምህርቲ ትኸደሉን ምንባብ እትመሃረሉን ግዜ እዩ። ከመይ ይመስለካ?” ቶማስ፡ ሓንቲ ቈልዑ እናተማሃሩ ዝቕመጡላ ኣሕዳሪት ቤት ትምህርቲ ከምዝፈልጥ ንማጎዝወ ገለጸሉ።

وبحلول عيد ميلاد ماقزوي العاشر، أهداه توماس قصةً جديدةً. كانت القصة تحكي عن ولد نشأ في قرية ليصبح بعد ذلك لاعب كرة قدم مشهور. قرأ توماس القصة مرات عديدة لماقزوي، ثم قال له في أحد الأيام: “أظن أن الوقت قد حان لتذهب إلى المدرسة وتتعلم القراءة، ما رأيك؟” وأوضح له بأنه يعرف مكانا يمكن لأطفال الشوارع أن يقيموا فيه ويرتادوا المدرسة.


ማጎዝወ ብዛዕባ ኣዚ ሓድሽ ቦታ ክሓስብ ጀመረ፡ ብዛዕባ ምጅማር ትምህርቲ’ውን። ሓወቦኡ ሓቁ እንተዀነ’ኸ፡ ሓንቲ ክምሃር ዘይክእል ደንቆሮ እንተዀነ? ኣብዚ ሓድሽ ቦታ እንተቐጥቀጥዎ’ኸ? ፈርሐ። “ምናልባት ኣብዚ ጐደና ምንባር ይሓይሽ መስለኒ፡” ኢሉ ሓሰበ።

فكر ماقزوي في هذا المكان الجديد وفي الذهاب إلى المدرسة وتساءل: “ماذا لو كان خاله على حق حينما نعته بالغبي؟ لن يستطيع تعلم أي شيء عند ذلك. ماذا لو قاموا بضربه في ذاك المكان الجديد؟” شعر ماقزوي بالخوف وقال محدثا نفسه: “قد يكون من الأفضل لي مواصلة العيش في الشارع”.


እቲ ዘፍርሖ ዝነበረ ንቶማስ ኣካፈሎ። ድሕሪ ግዜ እቲ ሰብኣይ ሂወት ኣብቲ ሓድሽ ቦታ ዝሓሸ ክኸውን ከምዝኽእል ነቲ ቈልዓ ኣእመኖ።

أعلم ماقزوي توماس بمخاوفه. وبمرور الوقت طمأن توماس الصبي بأن الحياة قد تكون أفضل في المكان الجديد.


ስለዚ ድማ ማጎዝወ ናብ ሓንቲ ሓምላይ ናሕሲ ዘለዋ ክፍሊ ገዓዘ። ነታ ክፍሊ ምስ ክልተ ካልኦት ኣወዳት ብሓባር ተቐመጡዋ። ኵሉዅሉ ኣብታ ገዛ ዓሰርተ ቆልዑት ይቕመጡ ነበሩ። ምስኦም ድማ ሓትኖ ሲሲን በዓል ቤታን፡ ሰለስተ ኣኽላባት፡ ሓንቲ ድሙን ሓንቲ ዓባይ ጤልን።

لذا انتقل ماقزوي للعيش بغرفة في منزل ذي سقف أخضر. تقاسم الغرفة مع صبيين آخرين. كان المنزل يضم عشرة أولاد إلى جانب العمة سيسي وزوجها وثلاثة كلاب وقطة وعنزة عجوز.


ማጎዝወ ትምህርቲ ጀመረ፡ በርትዖ ድማ። ብዙሕ ስለዝሓለፎ ከርክብ ኔርዎ። ሓደ ሓደ ግዜ ተስፋ ክቖርጽ ተደናንደነ። ግን ነቶም ኣብቲ መጽሓፍ ዘለዉ ኣብራሪ ነፋሪትን ተጻዋቲ ኵዕሶን ዘከረ። ከምኣቶም፡ ተስፋ ኣይቆረጸን።

بدأ ماقزوي الدراسة. كانت صعبة في البدء، وكان عليه أن يعمل جاهداً لتدارك ضعفه. مرت عليه لحظات يأس أراد فيها أن يغادر المكان لكنه كان في كل مرة يتذكر قائد الطائرة ولاعب كرة القدم اللذين تحكي عنهما القصص، وعقد العزم على ألا يغادر المدرسة وأن يواصل تعليمه.


ማጎዝወ ኣብ ዛሬባ ናይቲ ሓምላይ ዝናሕሱ ቤት ኮፍ ኢሉ፡ ካብቲ ቤት ትምህርቲ ዝረኸባ መጽሓፍ ዛንታ የንብብ ነበረ። ቶማስ መጺኡ ኣብ ጐድኑ ኮፍ በለ። “ብዛዕባ እንታይ እያ እዛ ዛንታ?” ሓተተ ቶማስ። “ብዛዕባ ሓደ ምስዓበየ መምህር ዝኸውን ወዲ እያ፡” ማጎዝወ መለሰ። “መን እዩ ስሙ እቲ ወዲ?” ቶማስ ሓተተ። “ማጎዝወ እዩ ስሙ፡” በለ ማጎዝወ ፍሽኽ እናበለ።

وفي يوم من الأيام، كان ماقزوي جالسا في فناء المنزل ذي السقف الأخضر يقرأ قصة من المدرسة عندما أقبل توماس وجلس لجانبه سائلا: “عما تتحدث القصة؟” رد ماقزوي قائلا: “إنها تحكي عن صبي أصبح مدرسا” سأل توماس: “ما اسم هذا الصبي؟” أجاب ماقروي مبتسما: “اسمه ماقزوي”.


كُتِب بواسطة: Lesley Koyi
رسمة بواسطة: Wiehan de Jager
بترجمة: Daniel Berhane Habte
لغة: التغرينية
مستوى: المستوى 5
المصدر: Magozwe از القصص الأفريقية القصيرة
رخصة المشاع الإبداعي
تحت مجوز المشاع الإبداعي نَسب المُصنَّف 4.0 دولي کریتز کامنز به نشر رسید.
بیشتر بخوانید سطح 5 داستان ها:
خيارات
العودة لقائمة القصص تحميل بصيغة PDF