تحميل بصيغة PDF
العودة لقائمة القصص

ሲምበግዊረ سمبقواير

كُتِب بواسطة Rukia Nantale

رسمة بواسطة Benjamin Mitchley

بترجمة Daniel Berhane Habte

لغة التغرينية

مستوى المستوى 5

سرد للقصة كاملة الصوت لهذه القصة غير متوفر.


ሲምበግዊረ ኣዲኣ ምስሞተት፡ ኣዝያ ሓዘነት። ኣቦ ሲምበግዊረ ንጓሉ ክከናኸን ኵሉ ዝከኣሎ ገበረ። ቀስ ብቐስ፡ ብዘይ ኣደ ሲምበግዊረ፡ ከምቀደሞም ናብራኦም ብሓጐስ ክመርሑ ጀመሩ። ንግሆ ንግሆ ኮፍ ኢሎም ብዛዕባ እታ መዓልቲ መደቦም ይሰርዑ። ምሸት ምሸት ብሓደ ይድረሩ። ኣቝሑ ምስሓጻጸቡ ኣቦ ሲምበግዊረ ዕዮ ገዝኣ ኣብ ምስራሕ ይሕግዛ።

توفيت أم سمبقواير، فحزنت البنت حزنا شديدا. فعل أبوها كل ما في وسعه للعناية بها، فبدآ رويدا رويدا يسترجعان معا شعورهما بالفرح رغم غياب الأم. كانا يجلسان كل صباح ويتناقشان فيما سيفعلانه خلال اليوم. وفي المساء، كانا يحضران العشاء معا ويغسلان الأطباق ثم يقوم أب سمبقواير بمساعدتها في القيام بفروضها المنزلية.


ሓደ መዓልቲ ኣቦ ሲምበግዊረ ዘይከም ልማዱ ደንጕዩ መጸ። “ኣበይ ኣለኺ’ዛ ጓለይ?” ኢሉ ጸውዓ። ሲምበግዊረ ናብ ኣቦኣ ጐየየት። ኣቦኣ ናይ ሓንቲ ሰበይቲ ኢድ ሒዙ ከምዝነበረ ምስረኣየት ድርቕ ኢላ ደው በለት። “ሓንቲ ፍልይቲ ጋሻ ከላልየኪ ደልየ ኣለኹ ‘ዛ ጓለይ። እዚኣ ኣኒታ ትብሃል፡” በለ ፍሽኽ እናበለ።

وفي يوم من الأيام، عاد أب سمبقواير إلى المنزل متأخرا على غير عادته وهتف: “أين أنت صغيرتي؟”. أسرعت سمبقواير لاستقبال أبيها غير أنها توقفت فجأة عند ما رأت والدها يمسك بيد امرأة لا تعرفها. قال الأب مبتسما: “صغيرتي، أريدك أن تلتقي بشخص مميز … هذه أنيتا”.


“ሰላም ሲምበግዊረ፡ ኣቦኺ ብዛዕባኺ ብዙሕ እዩ ዝነግረኒ፡” በለት ኣኒታ። ግና ፍሽኽ ኣይበለትን ናይታ ቈልዓ ኢድ’ውን ኣይተንከፈትን። ኣቦ ሲምበግዊረ ተሓጒሱን ተረቢጹን ነበረ። ሰለስቲኦም ብሓባር ክነብሩ ምዃኖምን ሂወቶም ሕጕስ ክኸውን ምዃኑን ተዛረበ። “እዛ ጓለይ፡ ንኣኒታ ከም ኣዴኺ ክትቅበልያ ተስፋ እገብር፡” ድማ በለ።

قالت أنيتا: “أهلا سمبقواير. لقد حدثني أبوك عنك كثيرا”، غير أنها لم تبتسم ولم تمسك بيد سمبقواير. وكان أب سمبقواير فرحا متحمسا، يتحدث عن حياتهم الثلاثة معا وكيف أنها ستكون رائعة وسعيدة. ثم أضاف: “صغيرتي، أرجو أن تقبلي أنيتا كأم لك”.


ሂወት ሲምበግዊረ ተለወጠ። ንግሆ ንግሆ ምስ ኣቦኣ ኮፍ ኢላ ትዘራረቦ ዝነበረት ተረፈ። ኣኒታ ኣድካሚ ስራሕ ገዛ ከተስርሓ ስለእትውዕል ምሸት ምሸት ዕዮ ገዝኣ ክትሰርሕ ኣይትኽእልን። ድሕሪ ድራር ብቐጥታ ናብ ድቃስ ክትከይድ ጀመረት። እታ ሓንቲ መጻናንዒታ፡ እታ ኣዲኣ ዝሃበታ ሕብራዊት ኮቦርታ እያ ኔራ። ኣቦ ሲምበግዊረ ጓሉ ሕጕስቲ ከምዘይነበረት ከስተብህል ኣይክኣለን።

تغيرت حياة سمبقواير ولم يعد لديها الوقت لتجلس لأبيها كل صباح. فقد كانت أنيتا تكلفها بأعمال منزلية كثيرة ترهقها وتمنعها من القيام بواجباتها المدرسية عند المساء. لذلك كانت سمبقواير تنام مباشرة بعد إنهاء الأعمال المنزلية. كان عزاءها الوحيد غطاء ملون منحتها إياه أمها قبل وفاتها. أما الأب فلم يكن بادياً عليه أنه لاحظ حزن ابنته.


ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ኣቦ ሲምበግዊረ ንገለ እዋን ካብ ገዛ ኣርሒቑ ክገይሽ ከምዝዀነ ነገረን። “ብስራሕ ክገይሽ ኢየ፡” “ግና ንሓድሕድክን ብጽቡቕ ተሳኒኽን ክትነብራ ከምዝኾንክን እተኣማመን እየ።” በለ። ናይ ሲምበግዊረ ገጻ ጸልመተ፡ ኣቦኣ ግና ኣየስተብሃለን። ኣኒታ ገለ’ኳ ኣይበለትን። ንሳ ውን እንተኾነት ሕጕስቲ ኣይነበረትን።

وبعد بضعة أشهر أعلم الأب زوجته وابنته أنه سيبتعد لبعض الوقت. قال لهما: “سأسافر للقيام ببعض الأعمال. لكنني على ثقة من أنكما ستعتنيان ببعضكما.” تغير وجه سمبقواير لكن أباها لم يلحظ ذلك. أنيتا أيضا لم تكن سعيدة بهذا الخبر لكنها لم تنبس بكلمة.


ንሲምበግዊረ ናብራ እናኸፍኣ ከደ። ስራሕ ገዛ እንተዘይወዲኣቶ ወይ ደኺመ ኢላ እንተኣጕረምሪማ ኣኒታ ትቕጥቅጣ። ኣብ ግዜ ድራር ድማ፡ ንሳ ዝበዝሐ በሊዓ ንሲምበግዊረ ቍሩብ ተረፍ መረፍ ትገድፈላ። ሲምበግዊረ ምሸት ምሸት፡ ነታ ናይ ኣዲኣ ኮበርታ ሓቚፋ እናበኸየት ትድቅስ።

تدهورت حياة سمبقواير، فقد كانت أنيتا تضربها كلما اشتكت أو أنها لم تتمكن من إنهاء العمل الذي كلفتها به. أما عند العشاء فقد كانت أنيتا تستأثر لنفسها بالكمية الأكبر من الأكل ولا تترك لسمبقواير غير الفُتات. كانت سمبقواير تنام كل ليلة باكية، محتضنة الغطاء الذي أهدتها إياه أمها.


ሓደ ንግሆ ሲምበግዊረ ካብ ድቃሳ ከይተንስአት ኣርፈደት። “ኣቲ ሰነፍ ቈልዓ!” ኢላ ኣኒታ ኣንጸርጸረትላ። ንሲምበግዊረ ካብ ዓራት ጐቲታ ኣውረደታ። እታ ምሒር እትፈትዋ ኮቦርታኣ ኣብ መስማር ተታሕዘት፡ ኣብ ክልተ ድማ ተቐደደት።

وفي إحدى الأيام استيقظت سمبقواير متأخرة فصرخت أنيتا بوجهها: “أنت … أيتها البنت الكسولة” ودفعتها بقوة خارج السرير فعلق الغطاء الثمين بمسمار وتمزق إلى نصفين.


ሲምበግዊረ ብጣዕሚ ተናወጸት። ካብ ገዛ ሃዲማ ክትወጽእ ወሰነት። ነታ ዝተቐደደት ኮቦርታ ወሲዳ፡ ገለ መግቢ ቈጺራ ነቲ ገዛ ገደፈቶ። ኣቦኣ ዝኸደሉ መንገዲ ተኸተለት።

غضبت سمبقواير غضباً شديداً وقررت الهروب من المنزل. فأخذت جُزْءَيْ الغطاء وبعضاً من الطعام وغادرت المنزل متبعة الطريق التي سلكها أبوها.


ምስ መሰየ፡ ኣብ ጥቓ ሓደ ሩባ ኣብ ዝነበረት ነዋሕ ገረብ ተሰቒላ ኣብቲ ጨናፍር ድማ መደቀሲ ሰርሐት። ክትድቅስ ከላ ከምዚ ኢላ ኣልቀሰት “ኣደይ ኣደይ ኣደይ ገዲፍክኒ። ገዲፍክኒ ኬድኪ ኣይተመለስክን ድማ። ኣቦይ ደጊም ኣየፍቅረንን እዩ። ኣደይ መዓስ ኢኺ ክትመጺ? ሓዲግክኒ ኬድኪ።”

عندما أقبل المساء، تسلقت الفتاة شجرةً باسقةً على ضفة نهر وجعلت لنفسها سريراً بين أغصانها وبدأت تغني وهي تستعد للنوم: “ما ما، ماما، ماما، لقد تركتني … تركتني ولن تعودي أبدا. أبي لم يعد يحبني. ماما متى ستعودين؟”


ንጽባሒቱ ንግሆ ሲምበግዊረ ነታ ልቕሶ እንደገና ደገመታ። እተን ኣንስቲ ክዳውንተን ክሓጽባ ናብቲ ሩባ ምስወረዳ፡ ነታ እተሕዝን ቍዘማ ካብታ ነዋሕ ገረብ ክትመጽእ ሰምዓኣ። ንፋስ ነቲ ኣቝጽልቲ ኣንቀሳቒሱ ሽውሽው ዘብሎ ዝነበረ መሲልወን፡ ሱቕ ኢለን ስርሐን ቀጸላ። ሓንቲ ካብተን ኣንስቲ ግና ጽን ኢላ ነታ ልቕሶ ሰምዓታ።

ومن الغد غنت سمبقواير نفس الأغنية من جديد عندما كان بعض النسوة يغسلن الثياب بماء النهر. ولما سمعن الأغنية الحزينة تَصِلُهنَّ من أعلى الشجرة، ظنن أنها لا تعدو أن تكون وشوشة الريح في أوراق الشجرة وواصلن عملهن متجاهلات ما سمعن. لكن إحداهن استمعت إلى الأغنية بانتباه شديد.


እዛ ሰበይቲ ናብታ ገረብ ንላዕሊ ጠመተት። ነታ ቈልዓን ነቲ ዝተቐደደ ኮቦርታን ምስረኣየት፡ “ሲምበግዊረ፡ ጓል ሓወይ!” ኢላ በኸየት። እተን ካልኦት ኣንስቲ ምሕጻብ ክዳውተን ገዲፈን ንሲምበግዊረ ካብታ ገረብ ክትወርድ ሓገዝኣ። ኣሞኣ ነዛ ንእሽቶ ቈልዓ ሓቘፈታ፡ ከተጸናንዓ ድማ ፈተነት።

رفعت المرأة نظرها إلى أعلى الشجرة، وعندما رأت الفتاة وقطعتَيْ الغطاء الملونتين صاحت: “سمبقواير … ابنة أخي!”. توقفت بقية النساء عن غسل الثياب وساعدن سمبقواير على النزول من أعلى الشجرة. عانقت العمة الطفلة الصغيرة وحاولت مواساتها.


ኣሞ ሲምበግዊረ ናብ ገዝኣ ወሰደታ። ንሲምበግዊረ ምዉቕ መግቢ ሃበታ፡ በታ ናይ ኣዲኣ ኮቦርታ ጌራ ድማ ኣብ ዓራት ከደነታ። እታ ምሸት ሲምበግዊረ ክትድቅስ ከላ በኸየት። እንተኾነ ግና ናይ እፎይታ ንብዓይ እዩ ዝነበረ። ኣሞኣ ክትከናኸና ምዃና ትፈልጥ እያ።

أخذت العمة الصغيرة معها إلى منزلها وقدمت لها طعاما ساخنا ووضعتها في سرير لتنام وغطاء أمها معها. ليلتها بكت سمبقواير قبل أن تنام لكنها كانت دموع فرح وسعادة، إذ أنها أدركت بأن عمتها سوف تعتني بها.


ኣቦ ሲምበግዊረ ገዛ ምስተመልሰ፡ ክፍላ ጥርሑ ጸንሖ። “እንታይ ኣጋጢሙ ኣኒታ?” ክብል ብስንባደን ጓሂን ሓተተ። እታ ሰበይቲ፡ ሲምበግዊረ ከምዝሃደመት ነገረቶ። “ከተኽብረኒ ደልየያ፡” “ግና ምናልባት ኣዝየ ተሪረያ እኸውን እየ።” ድማ በለቶ። ኣቦ ሲምበግዊረ ገዛ ገዲፉ ናብቲ ሩባ ገጹ ከደ። ንሲምበግዊረ ርእያታ እንተኾነት ክሓታ ናብ ዓዲ እንዳ ሓፍቱ ቀጸለ።

عندما عاد أب سمبقواير إلى المنزل، وجد غرفتها خالية. انزعج الأب وسأل أنيتا عن ابنته وقلبه مثقل بالحزن: “أنيتا، ما الذي حصل؟” أجابت أنيتا بأن سمبقواير قد هربت من المنزل، مضيفة: “كنت أريدها أن تحترمني: لكن أظن أنني قد قسوت عليها بعض الشيء”. غادر الأب البيت مسرعاً في اتجاه النهر، وواصل طريقه نحو بيت أخته، أملا في أن تكون قد رأت سمبقواير.


ሲምበግዊረ ምስ ደቂ ኣሞኣ እናተጻወተት ከላ ኣቦኣ ናብኣ ገጹ ክመጽእ ካብ ርሑቕ ርኣየቶ። ሓሪቑ ከይከውን ፈርሐት፡ ስለዚ ንኽትሕባእ ናብቲ ገዛ ኣተወት። ኣቦኣ ግና ናብኣ ቀረበ፡ ከምዚ ድማ በላ፡ “ሲምበግዊረ፡ እታ ዝበለጸት ኣደ ረኺብኪ ኣለኺ። ሓንቲ ተፍቅረክን ትርደኣልክን። ብኣኺ እዀርዕ እየ አፍቅረኪ ድማ እየ።” ብድሕሪኡ፡ ሲምበግዊረ ክሳብ ዝደለየቶ ግዜ ምስ ኣሞኣ ክትቅመጥ ተሰማምዑ።

كانت سمبقواير تلعب مع أبناء عمتها عندما رأت أباها مقبلا من بعيد. أصابها ذعر شديد من أن يكون غاضباً منها فأسرعت بالاختباء داخل المنزل. لكن أباها أسرع إليها قائلا: “عزيزتي سمبقواير، لقد وجدتِ أماً رائعة لك … تحبك وتفهمك، أحبك صغيرتي وأنا فخور بك”. اتفق الجميع على أن تظل سمبقواير مع عمتها طالما أرادت ذلك.


ኣቦኣ መዓልታዊ ይበጽሓ ነበረ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ምስ ኣኒታ መጸ። ኣኒታ ንሲምበግዊረ ብኢዳ ሒዛ፡ እናበኸየት፡ “ይቕረ በልለይ ‘ዛ ጓለይ፡ ተጋግየ እየ፡ ሓንቲ ዕድል ሃብኒ በጃኺ?” በለታ። ሲምበግዊረ ናብ ኣቦኣን እቲ ዝተሻቐለ ገጹን ረኣየት። ሽዑ ቀስ ኢላ ናብኣ ገጻ ቀረበት ሕቝፍ ድማ ኣበለታ።

كان أبوها يزورها كل يوم. وأخيرا اصطحب معه أنيتا إلى منزل أخته. أمسكت أنيتا بيد سمبقواير هذه المرة وقالت باكية: “سامحيني صغيرتي، لقد أخطأت في حقك، هلا منحتني فرصة أخرى؟” نظرت سمبقواير إلى أبيها فرأت قلقا يعلو وجهه. فتقدمت ببطء نحو أنيتا وأحاطتها بذراعيها.


ኣብታ ዝሰዓበት ሰሙን፡ ኣኒታ ንሲምበግዊረ፡ ምስ ደቀ’ሞኣን ኣሞኣን ናብቲ ገዛ ንምሳሕ ዓደመተን። ከመይ ዝበለ ድግስ’ዩ! ኣኒታ ኵሉ እቲ ሲምበግዊረ እትፈትዎ መግብታት ኣዳልያ ነበረት፡ ኵላቶም ድማ ክሳብ ዝጸግቡ በልዑ። ሽዑ እቶም ቈልዑ ተጻወቱ እቶም ዓበይቲ ድማ ኣዕለሉ። ሲምበግዊረ ሓጐስን ትብዓትን ተሰምዓ። ምስ ኣቦኣን ሰይተ-ቦኣን ክትነብር ብቕልጡፍ ከይደንጐየት ናብ ገዝኣ ክትከይድ ወሰነት።

ومن الغد، دعت أنيتا سمبقواير وعمتها وأبناء عمتها إلى وجبة غذاء بمنزلها. كانت مأدبةً رائعةً، إذ أن أنيتا أعدت كل الأطباق التي تحبها سمبقواير. أكل الجميع حد التخمة وانغمس الأطفال في اللعب بينما انصرف الكبار يتجاذبون أطراف الحديث. شعرت سمبقواير بالفرح وبالشجاعة وقررت أن تعود قريبا جدا للعيش مع أبيها وزوجة أبيها في منزل العائلة


كُتِب بواسطة: Rukia Nantale
رسمة بواسطة: Benjamin Mitchley
بترجمة: Daniel Berhane Habte
لغة: التغرينية
مستوى: المستوى 5
المصدر: Simbegwire از القصص الأفريقية القصيرة
رخصة المشاع الإبداعي
تحت مجوز المشاع الإبداعي نَسب المُصنَّف 3.0 دولي کریتز کامنز به نشر رسید.
بیشتر بخوانید سطح 5 داستان ها:
خيارات
العودة لقائمة القصص تحميل بصيغة PDF