تحميل بصيغة PDF
العودة لقائمة القصص

ፍዳ’ታ ቅርቅረ انتقام طائر دليل المناحل

كُتِب بواسطة Zulu folktale

رسمة بواسطة Wiehan de Jager

بترجمة Daniel Berhane Habte

لغة التغرينية

مستوى المستوى 4

سرد للقصة كاملة الصوت لهذه القصة غير متوفر.


እዚ ዛንታ ናይ ንገደ፡ እታ ቅርቅረን፡ ጊንጊለ ዝተብሃለ ስሱዕ መንእሰይን እዩ። ሓደ መዓልቲ ጊንጊለ ክሃድን ወፊሩ ከሎ ናይ ንገደ ፋጻ ሰምዐ። ጊንጊለ መዓር ተራእይዎ ኣፉ ማይ መልአ። ደው ኢሉ ተጠንቂቑ ኣዳሚጹ፡ ነታ ዑፍ ደልዩ ደልዩ ኣብቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝነበረ ጨንፈር ናይ ገረብ ርኣያ። “ጩቕ-ጩቕ-ጩቕ፡” ኢላ እናፋጸየት እታ ንእሽቶ ዑፍ ካብ ገረብ ናብ ገረብ ነፈረት። ጊንጊለ ይስዕባ ከምዘሎ ንምርግጋጽ ነናሻዕ ደው እናበለት፡ “ጩቕ-ጩቕ-ጩቕ፡” ፋጸየት።

هذه قصة دليل المناحل، نجيد، وشاب يدعى جنجيل. في يوم من الأيام، كان جنجيل خارج البيت في رحلة صيد عندما سمع صوت نجيد، دليل المناحل. سال لعاب جنجيل، فقد ذكره صوت الطائر بطعم العسل، فتوقف وبدأ يستمع بانتباه ويبحث عن العصفور حتى لمحه بين أغصان الشجرة، فوق رأسه. خشخش العصفور الصغير “شتيك، شتيك، شتيك.” وهو يقفز من شجرة إلى أخرى متوقفا بين الفينة والفينة حتى يتأكد من أن جنجيل كان يتبعه.


ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት፡ ኣብ ሓንቲ ዓባይ ናይ በረኻ ፊኪ ገረብ በጽሑ። ንገደ ኣብ መንጎ’ቲ ጨናፍር ከምዝዓበደ ተሰራሰረት። ብድሕሪኡ ኣብ ሓንቲ ጨንፈር መሪጻ ደው ብምባል፡ “ኣብዚ እነሃለ! ንዓ ሕጂ! እንታይ እዩ ዘደንጕየካ ዘሎ?” ብዝመስል ኣቃውማ ርእሳ ናብ ጊንጊለ ኣቕንን ኣበለት። ጊንጊለ ኣብ ትሕቲ’ታ ገረብ ኮይኑ ዋላሓደ ንህቢ ክርእይ ኣይከኣለን፡ እንተኾነ ግና ንንገደ ኣመና።

بعد نصف ساعة، وصل الإثنان إلى شجرة تين ضخمة. أخذ نجيد يقفز من غصن إلى غصن ويطل برأسه على جنجيل وكأنما ليقول له: “ها أنا ذا، تعال الآن، ما الذي يجعلك بعيدا هكذا؟”. لم يستطع جنجيل أن يرى النحل من مكانه تحت الشجرة، غير أنه وثق بنجيد.


ስለዚ ጊንጊለ መህደኒት ኵናቱ ኣብ ትሕቲ ገረብ ኣቐሚጡ፡ ገለ ዝነቐጻ ቀጠንቲ ጨናፍር ኣራርዩ ንእሽቶ ሓዊ ኣናኸሰ። እቲ ሓዊ ጽቡቕ ጌሩ ክነድድ ምስጀመረ፡ ሓንቲ ድርቕቲ ነዋሕ በትሪ ኣብ ማእከሉ ገበረ። እዚ ዓይነት ዕንጨይቲ ክነድድ ከሎ ብዙሕ ትኪ ዝገብር ምዃኑ እዩ ዝፍለጥ። ነታ በትሪ በቲ ዝሑል ክፋላ በስናኑ ቀርቂሩ ናብታ ገረብ ክድይብ ጀመረ።

وضع جنجيل رمحه تحت الشجرة وجمع بعض الأغصان اليابسة وأشعل النار. وما إن توهج اللهب، حتى أخذ جنجيل عصا طويلة من خشب يابس ووضعها في النار لتحترق فتخرج دخانا كثيفا لدى احتراقها. ثم بدأ جنجيل يتسلق الشجرة حاملا العصا ذات الدخان الكثيف بين أسنانه ماسكا إياها من طرفها غير المحترق.


ሽዑ ነቲ ዓው ዝበለ ድምጺ ዚዝታ ናይቶም ኣብ ስራሕ ዝተጸምዱ ኣናህብ ክሰምዖ ከኣለ። ኣብ ጉንዲ ናይታ ገረብ ኣብ ዝነበረ ጓንጓ ይኣትዉን ይወጹን ነበሩ - ንሱ ቆፎኦም እዩ። ጊንጊለ ኣብቲ ቆፎ ምስበጽሐ ነቲ ዝነድድ ዝነበረ ጫፍ ናይታ በትሪ ናብቲ ጓንጓ ኣእተዎ። እቶም ኣናህብ ብሕርቃንን ብነድርን እናበረሩ ወጹ። ትኪ ስለዘይፈትዉ ነፊሮም ሃደሙ - ቅድሚ ምህዳሞም ግና ንጊንጊለ ንኽስክስ ኣበልዎ!

وسرعان ما سمع جنجيل أزيز النحل العالي وهو يدخل ويخرج من جوف جذع شجرة التين أين توجد الخلية. وعندما بلغ جنجيل خلية النحل، دفع بطرف العصا المدخن داخل جوف الشجرة. فهرع النحل إلى خارج الخلية ساخطاً مزمجراً وطار عالياً تاركاً المكان، لكن ليس قبل أن يكيل بعض اللدغات الموجعة لجنجيل.


እቶም ኣናህብ ምስወጹ፡ ጊንጊለ ኢዱ ናብቲ ሰፈሮም ሰደደ። ኣዝዩ ብርኩትን ስቡሕን፡ መዓር ዘንጠብጥብ ጽዑቕ ሰፈ-ንህቢ፡ ጻዕዳ ጎጎ መዓር ኣውጸአ። ነቲ ሰፈ-ንህቢ ኣብታ ኣብ መንኩቡ ዝተሰከማ ሳንጣ ተጠንቂቑ ኣእተዎ፡ ካብታ ገረብ ድማ ክወርድ ጀመረ።

عندما ابتعد النحل، مد جنجيل يديه إلى الخلية في جوف الشجرة وبدأ يستخرج حفنات من أقراص الشمع المخضبة بالعسل والدهون واليرقات البيضاء. وضع جنجيل أقراص الشهد بكل عناية في حقيبته ونزل من أعلى الشجرة.


ንገደ ኵሉ ጊንጊለ ዝገብሮ ዝነበረ ብሃረርታ ተኻታተለቶ። ሓደ ረጒድ ቍራስ ሰፈ-ንህቢ ከም ናይ ምስጋና ህያብ ነታ ቅርቅረ ኢሉ ክገድፈላ ትጽበ ነበረት። ንገደ ካብ ጨንፈር ናብ ጨንፈር ፍር ፍር እናበለት፡ ናብ መሬት ገጻ ቀረበት። ኣብ መወዳእታ ጊንጊለ ኣብ ታሕቲ ናይታ ገረብ በጽሐ። ንገደ ኣብ ጥቓ እቲ ወዲ ኣብ ሓደ ከውሒ ዓሊባ ዓስባ ተጸበየት።

كان نجيد يراقب بانتباه ما كان يفعله جنجيل وكان يأمل أن يكافئه بقطعة كبيرة من أقراص الشهد الملآنة بالعسل. فأخذ يرفرف من غصن إلى غصن ويقترب رويداً رويداً من الأرض حتى وصل إلى أسفل الشجرة. حط نجيد على صخرة على مقربة من جنجيل ومكث ينتظر أن يناوله مكافأته.


እንተኾነ ግና፡ ጊንጊለ ነቲ ሓዊ ኣጥፊኡ፡ ኲናቱ ኣልዒሉ፡ ነታ ዑፍ ሸለል ብምባል፡ ናብ ገዝኡ ክኸይድ ተበገሰ። ንገደ ብሕርቃን፡ “ዕውት! ዕውት!” ብምባል ጸውዓቶ። ጊንጊለ ደው ኢሉ፡ ናብታ ንእሽቶ ዑፍ ቀው ኢሉ ብምጥማት ዓው ኢሉ ሰሓቐ። “መዓር ደሊኺ ምሽ? ከምኡ ድዩ ዛ’ዓርከይ? ሃ! ግና ኣነ እኳ እየ እቲ ኵሉ ስራሕ ዝሰራሕክዎ፡ እቲ ኵሉ እውን ዝተነኸስክዎ። ስለምንታይ እየ ነዚ ምቁር መዓር ምሳኺ ዝተኻፈልክዎ?” ኢሉ ገዲፍዋ ከደ። ንገደ ተቘጥዐት! እዚ ኣይኰነን ኔሩ ኢዳ! ግና ሕኒኣ ኽትፈድይ እያ።

لكن جنجيل أطفا النار والتقط رمحه وعاد أدراجه إلى منزله متناسياً العصفور، دليل المناحل. صاح العصفور غاضباً: “فيكتور، فيكتور …”. توقف جنجيل عن السير وحدق في العصفور الصغير وانفجر ضاحكاً: “هل تريد بعضا من العسل يا صديقي؟ لكن أنا من قام بالعمل كله وتحملت كل تلك اللدغات لوحدي… فلماذا إذن أقتسم هذا العسل الرائع معك؟”. ثم ذهب بعيداً. استشاط نجيد غضبا بعد أن تأكد من أن لا سبيل للتفاهم مع جنجيل وقرر بأن ينتقم لنفسه.


ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ገለ ሳምንታት፡ ጊንጊለ እንደገና መዓር ከምዘሎ ዝሕብር ጻውዒት ናይ ንገደ ሰምዐ። ነቲ ምቁር መዓር ዘከሮ፡ ብህርፋን ድማ እንደገና ነታ ዑፍ ተኸተላ። ንጊንጊለ በቲ ጫፍ ናይቲ ጫካ ድሕሪ ምምራሕ፡ ንገደ ኣብ ሓንቲ ዓባይ ጨዓ ከተዕርፍ ደው በለት። “ኣሃ” ኢሉ ጊንጊለ ሓሰበ፡ “እቲ ቆፎ ኣብዛ ገረብ ክህሉ ኣለዎ።” ብቕልጡፍ ቍሩብ ሓዊ ኣናኺሱ፡ ነታ እትተክኽ ጨንፈር ኣብ ኣፉ ቀርቂሩ ክድይብ ጀመረ። ንገደ ኮፍ ኢላ ተኸታተለት።

وفي يوم من الأيام، وبعد بضعة أسابيع من ذلك اللقاء، سمع جنجيل صوت نجيد يبشر من جديد بوجود العسل. تذكر جنجيل طعم العسل اللذيذ وبدأ يتبع العصفور من جديد وبكل شغف. وبعد أن قاد العصفور جنجيل على طول حافة الغابة توقف ليستريح تحت شجرة كبيرة مظللة ذات أشواكٍ. فكر جنجيل: “أه… لا بد أن تكون خلية النحل في تلك الشجرة”. أسرع جنجيل بإشعال نار صغيرة وبدأ يتسلق الشجرة وعود الدخان بين أسنانه. في الأثناء كان نجيد قابعا يراقب عن كثب ما كان يحدث.


ጊንጊለ፡ ከምቲ ልሙድ ናይ ንህቢ ዚዝታ ብዘይምስምዑ እናተገረመ ደየበ። “ምናልባት እቲ ቆፎ ኣብ ውሽጢ’ዛ ገረብ ይህሉ ይኸውን።” ኢሉ ሓሰበ። ካብ ጨንፈር ናብ ጨንፈር ደየበ። ግና ኣክንዲ’ቲ ቆፎ ንህቢ፡ ገጽ ናይ ሓንቲ ነብሪ ረኣየ! ብድፍረት ካብ ድቃሳ ስለዘበራበራ ነብሪ ኣዝያ ሓረቐት። ዓይና ኣጨምጭም ኣቢላ ኣፋ ከፊታ እቶም ኣመና ዓበይትን ምሒር በላሕትን ኣስናና ኣርኣየቶ።

تسلق جنجيل الشجرة مستغرباً من عدم سماع طنين النحل الذي تعود سماعه. وقال مخاطبا نفسه: “قد تكون الخلية في عمق الشجرة.” ثم واصل تسلق أغصان الشجرة، لكن حدث ما لم يحسب جنجيل حسابه، وعوض أن يجد خلية النحل، وجد نفسه محدقا في وجه نمرة كانت مغتاظة بعد أن وقع قطع نومها بكل تعسف. أغمضت النمرة عينيها وفتحت فمها وكشرت عن أنيابها الضخمة الحادة.


ነብሪ ብጽፍዒት ከየላደደቶ ከላ፡ ብቕልጡፍ ካብቲ ገረብ ወረደ። ክወርድ ክብል ሓንቲ ጨንፈር ሰሓተ፡ ናብ መሬት ዱብ ኢሉ ብምውዳቕ ዓንካር ዓንካሪቱ ተቘጽየ። ሰልፈፍ እናበለ ናይ ሓይለቦኡ ሃደመ። ጽቡቕ ዕድል ጌሩ፡ ነብሪ ተታኺሳ ስለዝነበረት ክትሕዞ ኣይተጓየየትን። ንገደ፡ እታ ቅርቅረ ሕኒኣ ፈደየት። ጊንጊለ ድማ መምሃሪ ኮኖ።

وقبل أن تنقض عليه النمرة، أسرع جنجيل بالنزول من أعلى الشجرة، لكنه أخفق في مسك غصن من أغصان الشجرة وسقط مدوياً على الأرض فالتوى كاحله عند السقوط. واصل جنيجيل طريقه يعرج، بالسرعة التي يخولها له كاحله الملتوي. ولحسن حظه أن النمرة كانت لازالت تحت تأثير النعاس فلم تلحق به. انتقم نجيد، دليل المناحل، لنفسه ولقن جنجيل درسا لن ينساه.


ስለዚ ድማ ደቂ ጊንጊለ ናይ ንገደ ዛንታ ክሰምዑ ከለዉ ነታ ንእሽቶ ዑፍ ኣኽብሮት ኣለዎም። መዓር ኣብ ዝበርበሩላ ግዜ እታ ዝዓበየት ሰፈ-ንህቢ ነታ ቅርቅረ ከምዝገደፉላ ከረጋግጹ ኣለዎም!

وهكذا، كلما سمع أبناء جنجيل قصة نجيد إلا واحترموا هذا العصفور الصغير. كما كانوا كلما ذهبوا لجمع العسل إلا وأصروا على أن يتركوا له أكبر قطعة من الشهد.


كُتِب بواسطة: Zulu folktale
رسمة بواسطة: Wiehan de Jager
بترجمة: Daniel Berhane Habte
لغة: التغرينية
مستوى: المستوى 4
المصدر: The Honeyguide's revenge از القصص الأفريقية القصيرة
رخصة المشاع الإبداعي
تحت مجوز المشاع الإبداعي نَسب المُصنَّف 3.0 دولي کریتز کامنز به نشر رسید.
خيارات
العودة لقائمة القصص تحميل بصيغة PDF