تحميل بصيغة PDF
العودة لقائمة القصص

ናይ ዓባየይ ባናና موز جدتي

كُتِب بواسطة Ursula Nafula

رسمة بواسطة Catherine Groenewald

بترجمة Daniel Berhane Habte

لغة التغرينية

مستوى المستوى 4

سرد للقصة كاملة الصوت لهذه القصة غير متوفر.


ናይ ዓባየይ ሰፈር ኣታኽልቲ ብመሸላ፡ ብልቱግን ካሳቫን ዝመልአ መስተንክር እዩ ዝነበረ። ካብ ኵሉ ዝበለጸ ግናን እቲ ባናና እዩ። ሽሕ’ኳ ንዓባየይ ብዙሓት ደቀደቂ እንተነበርዋ፡ ዝያዳ ኵሎም ንዓይ ትፈትው ከምዝነበረት ብምስጢር እፈልጥ ነበርኩ። ብዙሕ ግዜ ናብ ቤታ ትዕድመኒ ነበረት። ቍሩብ ምስጢራት ድማ ትነግረኒ ነበረት። ሓንቲ ዘይተካፍለኒ ምስጢር ግናን ኔራታ - ባናና ኣበይ ተብስሎ ከምዝነበረት።

كانت لجدتي حديقة رائعة تملأها الذرة الرفيعة والدخن والكسافا، ولكن شجيرات الموز كانت أجمل ما في الحديقة. وكان لجدتي أحفادا كثيرين، إلا أنني كنت على يقين من أنني كنت المفضلة لديها. كانت تدعوني دوما إلى منزلها وكانت تودعني أسرارها الصغيرة، غير أن لجدتي سرا تخفيه عني ولا ترغب في اطلاعي عليه، ألا وهو المكان الذي تقوم فيه بإنضاج الموز.


ሓደ መዓልቲ ብላኻ ዝተሰርሐት ዓባይ ዘንቢል ኣብ ኣፍደገ ቤት ዓባየይ ኣብ ጸሓይ ተሰጢሓ ርኣኹ። ንምንታይ ምዃና ምስሓተትክዋ፡ ዝረኸብክዋ እንኮ መልሲ፡ “እዚኣ ትንግርታዊት ዘንቢለይ እያ።” ትብል እያ። ጥቓ’ታ ዘንቢል፡ ዓባየይ ነናሻዕ እትገላብጦ ብዙሕ ናይ ባናና ኣቝጽልቲ ኔሩ። ክፈልጥ ተሃንጠኹ። “እዚ ኣቝጽልቲ ንምንታይ እዩ ዓባየይ?” ሓተትኩ። እታ ዝረኸብኩዋ መልሲ ግናን “ትንግርታዊ ኣቝጽልተይ እዮም።” ትብል ጥራይ እያ።

وفي يوم من الأيام، رأيت سلة كبيرة من السعف قد عرضت لحرارة الشمس خارج منزل جدتي. ولما سألتها لما تستعمل تلك السلة، كان جوابها الوحيد: “إنها سلتي السحرية”. وكان بجانب السلة مجموعة من الأوراق التي كانت جدتي تقلبها من حين لأخر. ازداد فضولي وسألتها: “فيما تستعملين هذه الأوراق، يا جدتي؟” وكان جوابها الوحيد أيضا: “إنها أوراقي السحرية”.


ንዓባየይ፡ ነቲ ባናና፡ ነቲ ኣቝጽልቲ ባናናን ነታ ዓባይ ናይ ላኻ ዘንቢልን ምርኣይ ኣዝዩ ሰሓቢ እዩ። ግና ዓባየይ ናብ ኣደይ ለኣኸአትኒ። “ዓባየይ በጃኺ ክርእየኪ ከተዳልዊ ከለኺ…” “ኣቲ ቘልዓ፡ ነቓጽ ኣይትኹኒ፡ ዝተባሃልክዮ ግበሪ።” ኢላ ግዲ በለትኒ። እናጐየኹ ተመርቀፍኩ።

وكم كنت يومها مستمتعة بمشاهدة جدتي وموزات جدتي وأوراق الموز وسلة السعف. لكن جدتي قررت أن تبعثني لقضاء أمر ما لدى أمي. توسلت إليها: “أرجوك جدتي، دعيني أشاهدك وأنت تحضرين …” لكنها قاطعتني، وأصرت: “لا تكوني عنيدة صغيرتي. هيا، افعلي ما أمرتك به “. فانطلقت جريا نحو أمي.


ምስተመለስኩ፡ ዘንቢል የለ ባናና የለ ዓባየይ ኣብ ደገ ኮፍ ኢላ ጸንሓትኒ። “ዓባየይ ኣበይ ኣላ እታ ዘንቢል፡ ኣበይ ኣሎ እቲ ዅሉ ባናና፡ ኣበይ ኣሎ እቲ …” እታ ዝረኸብክዋ እንኮ መልሲ ግን “ኣብታ ትንግርታዊት ስፍራይ ኣለዉ።” ጥራይ እያ። ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ!

ولما رجعت، وجدت جدتي جالسة خارج المنزل ولم يكن هناك لا سلة ولا موز. سألتها: “جدتي، أين السلة وأين الموز، وأين …؟”. وكان جوابها الوحيد: “إنهم في مكاني السحري”. وكم كان ذلك محبطا لي.


ድሕሪ ክልተ መዓልቲ፡ ምርኵሳ ካብ መደቀሲ ክፍላ ከምጽኣላ ዓባየይ ለኣኸትኒ። ነቲ ማዕጾ ክፍት ምስ ኣበልክዎ፡ ብርቱዕ ጨና ናይ ዝበስል ዘሎ ባናና ሓንጎፋይ በለኒ። እታ ናይ ዓባየይ ዓባይ ትንግርታዊት ናይ ላኻ ዘንቢል ኣብ ውሽጢ’ቲ ክፍሊ ኔራ። ብኣረጊት ኮቦርታ ጽቡቕ ጌራ ተሓቢኣ እያ። ኣልዕል ኣቢለ ነቲ ደስ ዘብል ምኡዝ ሽታ ኣሽተትክዎ።

وبعد يومين، طلبت مني جدتي أن أحضر لها عصا المشي من بيت نومها. وبمجرد أن فتحت الباب، استقبلتني رائحة الموز الناضج. لقد كانت سلة جدتي السحرية في الغرفة الداخلية، مخبأة جيدا تحت غطاء قديم. رفعت الغطاء واستنشقت تلك الرائحة الرائعة.


ዓባየይ “እንታይ ትገብሪ ኣለኺ? ቀልጥፊ እታ ምርኵሰይ ኣምጽእለይ።” ኢላ ምስተዳህየትኒ ድምጻ ኣሰንበደኒ። ነታ ምርኵሳ ሒዘ ቀልጢፈ ወጻእኩ። “እንታይ እዩ ዘስሕቐኪኢ ዘሎ?” ኢላ ዓባየይ ሓተተትኒ። ነታ ትንግርታዊት ቦታኣ ብምርካበይ ተሓጒሰ ጌና ይስሕቕ ከምዝነበርኩ ካብ ሕቶኣ ተገንዘብኩ።

لكن صوت جدتي فاجئني عندما نادتني: “ماذا تفعلين؟ أسرعي وأحضري لي العصا”. أسرعت بعصا المشي لجدتي، فسألتني: “لماذا تبتسمين؟” جعلني سؤالها أتفطن إلى أنني لازلت مبتسمة لاكتشافي مكان موزات جدتي السحري.


ንጽባሒቱ ዓባየይ ነ’ደይ ክትበጽሓ ምስመጸት፡ ነተን ባናና እንደገና ክርእየን ናብ ገዝኣ እናጐየኹ ከድኩ። ኣብኡ ሓደ ጥማር ናይ ኣዝዩ ዝበሰለ ባናና ነበረ። ሓንቲ ወሲደ ብትሕቲ ክዳነይ ሓባእክዋ። ነታ ዘንቢል ክድን ኣቢለ ብድሕሪ’ቲ ገዛ ከይደ ብቕልጡፍ በላዕክዋ። ከምኣ ዝጥዕም ባናና በሊዐ ኣይፈልጥን።

وفي اليوم الموالي، عندما ذهبت جدتي لزيارة أمي أسرعت إلى منزلها لتفقد الموز مرة أخرى. وكانت هناك مجموعة من حبات الموز قد اكتمل نضجها. التقطت واحدة وأخفيتها تحت ثيابي. وبعد أن أرجعت غطاء السلة من جديد، ذهبت خلف المنزل والتهمت الموزة بسرعة. كانت تلك ألذ موزة أتذوقها في حياتي.


ንጽባሒቱ፡ ዓባየይ ኣሕምልቲ ክትቅንጥብ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ከላ ሰላሕ ኢለ ኣትየ ነተን ባናና ርኣኽወን። ዳርጋ ኩለን በሲለን ነበራ። ኣርባዕተ ፍረ ዝነበራኣ ጥማር ክወስድ ኣይተማታእኩን። ብጽፍሪኢ እግረይ ሰላሕ እናበልኩ ናብ ደገ ክወጽእ ከለኹ፡ ዓባየይ ኣብ ደገ ክትስዕል ሰማዕክዋ። ነተን ባናና ኣብ ትሕቲ ክዳነይ ሓቢአየን ሓሊፈያ ከድኩ።

ومن الغد، وبينما كانت جدتي في الحديقة تجمع الخضار، تسللت إلى المنزل واسترقت النظر للموز. كانت كل الموزات تقريبا قد نضجت، ولم أستطع أن أمسك نفسي عن أخذ أربع حبات من الموز. وبينما كنت متجهة نحو الباب على أطراف أصابعي، إذ بي أسمع سعال جدتي بالخارج. وبالكاد نجحت في إخفاء حبات الموز تحت فستاني ثم تجاوزت جدتي في المشي.


ንጽባሒቱ መዓልቲ ዕዳጋ ነበረ። ዓባየይ ብኣጋኡ ተንስአት። ኵሉ ግዜ ዝሽየጥ ብሱል ባናናን ካሳቫን ሒዛ ናብቲ ዕዳጋ ትኸይድ ነበረት። ኣብታ መዓልቲ ንኽበጽሓ ኣይተሃወኽኩን። እንተኾነ ግን ከይርኣኽዋ ነዊሕ ግዜ ክጸንሕ ኣይክእልን እየ።

كان اليوم الموالي هو يوم السوق الأسبوعية. استيقظت جدتي باكرا، فقد كانت دائما تأخذ الموز والكسافا لتبيعها في السوق. لم أسارع يومها لزيارتها كالعادة، لكنني كنت أعرف أنني لن أستطيع تحاشيها طويلا.


ዳሕራይ ንምሸቱ ኣደይ፡ ኣቦይን ዓባየይን ጸውዑኒ። ንምንታይ ከምዝኾነ ተረደኣኒ። እታ ምሸት ምስደቀስኩ፡ ዳግም፡ ካብ ዓባየይ፡ ካብ ወለደይ፡ ብርግጽ ድማ ካብ ዝኾነ ካልእ ሰብ ክሰርቕ ከምዘይክእል ፈለጥኩ።

وفي ساعة متأخرة من تلك الليلة، دعاني أبي وأمي للحديث معي. كنت أعرف لماذا دعونني. وهكذا، وبينما كنت مستلقية للنوم في تلك الليلة، عرفت أنني لا يجب أن أسرق ثانية أبدا، لا من جدتي ولا من والديَّ ولا من أي إنسان آخر.


كُتِب بواسطة: Ursula Nafula
رسمة بواسطة: Catherine Groenewald
بترجمة: Daniel Berhane Habte
لغة: التغرينية
مستوى: المستوى 4
المصدر: Grandma's bananas از القصص الأفريقية القصيرة
رخصة المشاع الإبداعي
تحت مجوز المشاع الإبداعي نَسب المُصنَّف 3.0 دولي کریتز کامنز به نشر رسید.
خيارات
العودة لقائمة القصص تحميل بصيغة PDF