ሓደ መዓልቲ፡ ኣደይ ብዙሕ ፍረታት ኣምጺኣ።
فِي أحَدِ اَلأيَّامِ حَصَلَتْ مَامَا عَلَى اَلكَثِيرِ مِنَ الفَواكِهَ.
“መዓስ ኢና ካብዚ ፍረታት ክንበልዕ?” ኢልና ሓቲትናያ። “ነዚ ፍረታት ሎሚ ምሸት ክንበልዖ ኢና” ኢላ መለሰት ኣደይ።
سَأَلْنَاهَا: “مَتى يُمْكِنُنا أّن نَأخُذَ القَليلَ مِنَها؟”
أَجَابَتْ: “سَنَأكُلُ الفَوَاكِهَ في المَسَاءِ”.
ራሂም ሓወይ ህሩፍ እዩ። ንኹሉ እቲ ፍረታት ጐሊሙ ጥዒምዎ። ንዝበዝሐ ካብኡ በሊዕዎ።
أَخِي رَهِيمْ كَانَ طَمَّاعًا، تَذَوَّقَ كُلَّ الفَواكِهِ، وَأَكَلَ الكَثِيرَ مِنْهَا.
“ርአዪ ራሂም ዝገበሮ!” ኢሉ ንእሽቶ ሓወይ ጨደረ። ኣነ ድማ “ራሂም ስድን ስሱዕን እዩ፡” ኢለዮ።
صَرَخَ أَخي الصَّغِيرُ: “انْظُرْ مَاذَا فَعَلَ رَهِيمْ”!
أَمَّا أَنَا فَقُلتُ: “رَهِيمْ غَيْرُ مُحْتَرَمٍ وَأَنَانِيٌّ”.
ኣደይ ብራሂም ኣዝያ ሓረቐት።
غَضِبَتْ مَامَا مِنْ رَهِيمْ.
ንሕና እውን ብራሂም ሓረቕና። ራሂም ግን ዕጥጥ ኣይበሎን።
وَنَحْنُ أَيْضًا غَضِبْنَا مِنْ رَهِيمْ ولَكِنَّهُ لَمْ يَعْتَذِرْ.
“ንራሂም ኣይትቐጽዒዮን ዲኺ?” ኢሉ ንእሽቶ ሓወይ ሓተተ።
سَأَلَ أَخِي الصَّغِيرُ: “أَلَنْ تُعَاقِبِي رَهِيمْ؟”
“ራሂም፡ ሕጅሕጂ ክትጣዓስ ኢኻ፡” ኢላ ኣደይ ኣጠንቂቓቶ።
حَذَّرَتْ مَامَا رَهِيمْ فَقَاَلتْ: “عَلَيْكَ أَنْ تَعْتَذِرَ حَالَّا”.
ራሂም ሕማም ክስምዖ ጀመረ።
بَدَأَ رَهِيمْ بِالشُّعُورِ بِالمَرَضِ.
“ከብደይ ኣመና የቐንዝወኒ ኣሎ፡” ክብል ራሂም ኣሕሸዅሸዀ።
هَمَسَ رَهِيمْ: “مَعِدَتِي تُؤْلِمُنِي”.
ኣደይ እዚ ከምዘጋጥም ፈሊጣ ኔራ። እቲ ፍረታት እዩ ንራሂም ዝቐጽዖ ዘሎ!
عَرَفَتْ مَامَا مَاذَا حَصَلَ: “إنَّ الفَوَاكِهَ عَاقَبَتْ رَهِيمْ”!
ዳሕራይ፡ ራሂም ይቕረታ ሓቲቱና። “ድሕሪ ሕጂ ኣመና ስሱዕ ኣይክኸውንን እየ፡” ኢሉ ተማባጺዑ። ንሕና ኩልና ድማ ኣሚንናዮ።
أَخِيرًا اِعْتَذَرَ رَهِيمْ فَقَالَ لَنَا: “لَنْ أَكُونَ طَمَّاعاً بَعْدَ اليَوْمِ”.