ንእሽቶ ሓወይ ደቂሱ የርፍድ። ኣነ ቀልጢፈ እትንስእ፡ ምኽንያቱ ኣነ ንፍዕቲ እየ።
يَنامُ أَخِي الصَّغِيرُ مُتَأَخِّرًا جِدًّا.
أَنَا اَسْتيْقِظُ بَاكِراً لِأَنَّنِي مُمَيَّزَةٌ.
ኣነ እየ ንገዛና ጸሓይ ዘእትወሉ።
أَنَا وَاحِدَةٌ مِنَ اَلَّذينَ يَسْمَحُونَ لِلشَّمْسِ أَن تَدْخُلَ.
ኣደይ “ናተይ ኰኸብ ጽባሕ ኢኺ፡” ትብለኒ።
مَامَا تقُولُ لِي: “أَنْتِ نَجْمَتِي اَلصَّباحيّةُ”.
ሰውነተይ ባዕለይ እሕጸብ፡ ዝኾነ ሓገዝ ኣይደልይን እየ።
أَنَا اَسْتَحِمُّ وَحْدِي، أَنَا لَا أَحْتَاجُ لِمُسَاعَدَةِ أَحَدٍ.
ዝሑል ማይን ሽታ ዘለዎ ሰማያዊ ሳምናን ክጻወር እኽእል።
أَنَا يُمْكِنُنِي أَنْ أَتَعَامَلَ مَعَ المَاءِ البَارِدِ وَالرَّائِحَةُ اَلكَرِيهَةُ لِلصَّابُونَةِ الزَّرْقَاءِ.
ኣደይ፡ “ኣስናንኪ ኣይትረስዕዮ።” ኢላ ተዘክረኒ። ኣነ ድማ፡ “ኣነ! ብፍጹም!” ኢለ እምልሰላ።
مَامَا تُذَكِّرُنِي: “لَا تَنْسَيْ أَسْنَانَكِ”، فَأُجِيبُهَا: “أَنَا مُسْتَحِيلْ!”
ድሕሪ ምሕጻበይ፡ ንኣባሓጎይን ኣሞይን ሰላም እብሎም፡ ቡሩኽ መዓልቲ ድማ እምነየሎም።
بَعْدَ اَلاِسْتِحْمَامِ، أُسَلِّمُ عَلَى جَدِّي وَعَمَّتِي، وَأُوَدِّعُهُمْ.
ሽዑ ክዳውንተይ እኽደን፡ “ኣደይ ሕጂ ኣነ ዓባይ እየ፡” እብላ።
ثُمَّ أَلْبِسُ ثِيَابِي بِنَفْسِي، وَأَقُولُ: “أَنَا الآنَ كَبِيرَةٌ”.
ኣነ መላጕመይ ክለጕምን ሳእነይ ክኣስርን እኽእል።
أَنَا اَسْتَطِيعُ أَنْ أُغْلِقَ أَزْرَارِي وَأَرْبِطَ حِذَائِي.
ከምኡ’ውን ኵሉ ኣብ ትምህርቲ ዘጋጠመ ሓድሽ ነገራት ንንእሽቶ ሓወይ እነግሮ።
أَنَا أَتَأَكَّدُ مِنْ أَنَّ أَخِي اَلصَّغِيرُ يَعْرفُ كُلَّ أَخْبَارِ اَلمَدْرَسَةِ.
ኣብ ክፍሊ ብዅሉ መገዲ እጽዕር።
أَبْذُلُ جُهْدِي فِي الصَّفِّ لِأَقُومَ بِالأفْضَلِ بِكُلِّ شَيْءٍ.
ነፍሲ-ወከፍ መዓልቲ እዚ ኵሉ ጽቡቕ ነገራት እገብር። እቲ ካብ ኵሉ ዝፈትዎ ነገር ግን፡ ምጽዋት ምጽዋት እዩ!
أَنَا أَقُومُ بِكُلِّ هَذِهِ اَلأفْعَالِ كُلَّ يَوْمٍ.
لَكِنَّ أَكْثَرَ الأَشْيَاءِ التِي أُحِبُّهَا اللَّعِبُ.
ثُمَّ اللَّعِبُ.